ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ትግራይ ግልፂ ዝኾኑ ሓቅታት ምርኣይ ኣይክኣለን ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀ/ም ኢትዮጵያ


ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንኩነታት ክልል ትግራይ ብዙሓት ግልፂ ዝኾኑ ሓቅታት ምርኣይ ተሳኢኑዎ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ገሊፁ።ብገለ ወገናት ይስትውዓሉ ዘለው ምዝላል ሓቅታት ጠቓሚ ውፅኢት ኣይህልዎን ኢለን ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ቢል ለኔ ስዩም።

ምውፃእ ወታደራት ኤርትራ ብዝተበፅሐ ስምምዕ መሰረት ይፍፀም ኣሎ ኢለን።ምውፃእ ወታደራት ኤርትራ ግን ብሳልሳይ ወገን ኣይተረጋገፀን።

ትማሊ ሓሙስ መግለፂ ዝሃባ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ቢል ለኔ ስዩም ማሕበረሰብ ዓለምለ ዝረስዖም ዝበልኦም ነጥብታት ጠቒሰን።እቶም ሓቅታት ኮነ ተባሂሎም ዝዝለሉ ካሊእ ኣጀንዳ ብዘለዎም ወገናት እዩ ኢለን።ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ውፅኢት ዝህልዎ ዝተዋደደ ወፍሪ ኣብ ልዕሊኣ ይካየዳ ኣሎ ኢለን።ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ኣወንታዊ ውፅኢት ኣይህልዎን ኢለን።

‘’ንመንግስቲ ናይ ምፍራስ ተግባር ንዝቐልበሰ መንግስቲ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ምንስቴር ከም ጥፍኣተኛ ምቑፃርን ኣብ ልዕሊ መንግስቱ መቕጻዕቲ ምንባርን ወፅኢታዊን ሃናፂን ኣይኮነን’’ ኢለን ብምውሳኽ።ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ሰባት ድልየት ንምምላእ ስጉምቲ ምውሳዱ ክቕፅል እዩ እየን ኢለን።

እተን ሓላፊት ፕረስ ኣብ ትግራይ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦትን መብርሂ ሂበን አለዋ።ኣብ መንጎ ዓለምለኸ መሻርኽትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣፈላላይ ካብ መንጎ ዝፈጠሩ ሓደ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምርካቦም እዩ።

ዝተፈላለዩ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅእዎም መግለፅታት እቶም ወታደራት ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ክፅውዑ ፀኒሖም እዮም።ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ወታደራት ኤርትራ ክወፁ ፀዊዖም እዮም።ብዛዕባ ምውፃእ ሰራዊት ዝተሓተታ ብል ለኔ ስዩም ‘’ናይ ምውፃእ ሕቶ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከቶ ብዓል ስልጣን ተቐሚጡ ኣሎ።ብመሰረት ፀብፃባት ምንስቴር ምክልኻል ምውፃእ ናይቶም ወታደራ ተጀሚሩ ኣሎ።ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተሰማምዕሉ መሰረት እቲ መስርሕ ክካየድ እዩ’’ ኢለን።ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፃእ ምጅማሮም ግን ብሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገፀን።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ተረኺቦም መግለፂ ዝሃቡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌዶን ጢሞጥዮስ ብወገኖም ኣብ ናይ ትግራይ ግጭት እዋን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ብዝምልከት ይፍፀሙ ኣለው ዝበልኦም ተግባራት ኣብሪሆም።ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ምርመራን ኣብቲ ክልል ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ፆታዊ መጥቓዕታት ከምኡ እውን መቕተልታት።ፆታዊ መጥቓዕታት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀሙ መቕተልትን ምርመራ ብኣርባዕተ ኣካላት እናተኻየደ ምዃኑ ኣረዲኦም።ብወታደራዊ ቤት ፍርዲ ,ብናይቲ ክልል ፖሊስን ዓቃቢ ሕግን, ብመርመርቲ ፈደራል ፖሊን ከምኡ እውን ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽንን ብናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ይካየድ ኣሎ ኢሎም።ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

‘’ስጉምቲ ንምውሳድ ኣድላይ ኣብዘይነበረሉ እዋን ንስቪላት ብምቕታልኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ 27 ወታደራት ክሲ መስሪቶም ኣለው’’ ዝበሉ ንሶም ‘’እቶም ወታደራዊ መርመርቲ ፆታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙን ብኣስገዳድ ደፊሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን 25 ወታደራት እውን ክስ መስሪቶም እቲ መስርሕ ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ቀረባ ውሳነ ክህሊ ትፅቢት ይግበር።ይካየዱ ካብ ዘለው ናይ ፍርዲ መስርሓት ብተወሳኺ ሰለስተ ወታደራት ኣገዲዶም ብምድፋር ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ተፈሪዱዎም ኣሎ።ሓደ ወታደር ድማ ንስቪል ብምቕታል ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ተፈሪዱዎ ኣሎ’’ ኢሎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈፀሙ ፆታዊ መጥቓዕታትን ካልኦት ገበናትን ዝጥርጠር ኣካል ኣሎ ክብሉ እቶም ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣረዲኦም።

‘’ሚዲያን ካልኦት ኣካልትን ክዝክሩዎ ዝግባእ ነጥቢ ህወሓት ንመቐለ ቅድሚ ምግዳፉ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ልማደኛን ዝተፈረዶም ገበነኛታት ፈቲሑ እዩ።ስለዚህ ኣብ ኩሉ ዓይነት ገበናት ክዋፈሩ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ዝተፈረዶምን ዘይተትሓዙን ገበነኛታት ኣለው’’ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG