ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ(ቀዳማይ ክፋል)


ዝተቐትሉ 58 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ደበሶም ኣብርሃ
ዝተቐትሉ 58 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቶ ደበሶም ኣብርሃ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝበሎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኵናት እዩ ክብል ዝፀውዖን ግጭት ካብ ዝጅመር መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ልዕሊ 60 ማዕልታት ኣቑፂሩ ኣሎ።ብመሰረት ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ 60,000 ሰባት ናብ ሱዳን ሃዲሞም በቲ ኵናት ድማ ኣሽሓት ከምዝሞቱ ይግመት።

ኣብ ትግራይ ብዘካይ መቐለን ዝተወሰኑ ከባቢታትን ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታት ዳርጋ ኩሉ ዓይነት ዝብሃል መራኸቢ ኣገባብ ተዓፂዩ ይርከብ።

ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይርከቡ ብዘለው ሓበሬታት ኣብ ህወይትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ኣብዚ ኣብ ቨርጂናዮ ከባቢ Woodbridge ዝነብር ዘለኣለም ደበሶም ኣብርሃ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣርባዕተ ኣባላት ስድርኡ ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቐተሉዎ ይገልፁይ።

‘’ ኣቦይ ደበሶም ኣብርሃ፣ህይወታ ክተድሕን ካብ ከተማ ዛላንበሳዝመፀት ሓቲነይ ለምለም ተክለሃይማኖት፣ ውላዳ መብራህቱ ተስፋይን ሽማ ንግዚኡ ዝረሳዕኹዎ ኣባል ስድራይን ወታደራት ኤርትራ ኣብ እንዳ እምበይትና ፀበል ሕዳር ሚካኤል እናሰተዩ ከለው ኣብ ቅድሚ ዓባየይ ቀቲሎምዎም’’ ይብል።

ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ስድርኡ ኣብ ሓዘን ተቐሚጡ ዝረኸብኩዎ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ክፍለ ዮሃንስ ብርሃነ ዘጋጠሞ ይገልፅ።95 ዓመት ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦጎይተንኡ /ኣቦሓጉኡ/ ወልደገብርኤል ኣረጋ \ወዲ ሓንታ\ ወታደራት ኤርትራ ንኹምርታት እኽልን ሓሰርን እናቃፀሉ ንናይ ጓሎም ከባርዑ ምስ ርኣዩዎም ንምንታይ ድኣ እኽሊ ተቓፅሉ ኢሎም ብምሕታቶም ብጥይት ቀቲሎምዎም ይብል።

ኣብ ደቡብ ሱዳን Danish Refugee Councilኣብ ዝተብሃለ ናይ ዴንማርክ ስደተኛታት ወኪል ብዓል ሙያ ሕጊ ኮይኑ ዝሰርሕ ክብሮም ኣለማ ኣብ ሽረ እናዳስለሰ እትነብር ሕፅይቱ ጓል 22 ዓመት ዛይድ ጎይቱኦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሽረ ኣብ ዝተቖፃዘሩዎም ግዜ ናብ ገጠር ይሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስቪላት ብጥይት እናተተኮሶም ካብ ዝሞቱ ብዙሓት ሰባት ሓንቲ ምዃና ይገልፅ።

ክልቲኦም ኩሉ ነገር ወዲኦም ኣብ እዚ ወርሒ ጥሪ ንምምርዓው ምዳልው ይገብሩ ከምዝነበሩ ክብሮም ኣካፊሉኒ ኣሎ።ናብታ ከተማ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ወታደራት ም እታዎም ብምግላፅ ካብ መን ዝተተኮሰ ከምዝቐተላ ግን ኣይንፈልጥን ኢሉ።ኣብ ሸራሮ እውን ኣዕርኽቱ ከምዝተቐተሉዎ ሽሞም እናፀርሐ ገሊፁልና ኣሎ።

ወዲ 35 ዓመትን፣ወላዲ ወዲ ክልተ ዓመት ህፃንን ብዓል ሓዳርን ብርሃኑ ታደሰ ኣብ ደቡባዊ ሶባ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዋርግባ ኣብዝተብሃለ ዞባ ትግራይ ብወታደራት ከምዝተቐለ ዓብይ ሓው ተኽላይ ታደሰ ይዛረብ።

ፋጫጋማ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ማእኸል ምርምር ሕርሻ ስርሑ ምስ ካሎት ክልተ ሰባት ብባጃጅ እናተጉዓዘ እናሃለወ ወታደራት ፌደራል ጠጠው ኣቢሎም ፈሊዮም ናብ ውሽጢ ምሸላ ወሲዶም ፀኒሖም ናብ ቅድሚ እቶም ተሳፈርቲ ወሲዶም ከምዝቐተሉዎ ይገልፅ።

‘’እዚ ሰብ እዚ ዕጡቕ ኣይኮነን፣ኣባል ናይ ዝኾነ ውድብ ኣይኮነን’’ ምስ በለ ካብቶም ሰባት ዝፈለይሉ ምኽኒያት ናይ ትግራይ ባንዴራ ዘለዎ ኽዳርን /ቲሸርት/ ተኸዲኑ ብምንባሩ ክኸውን ይኽእል ይብል።ሬስኡ ኣብቲ ቦታ ን23 ስዓታት ተደርቢዩ ከምዝሓደረ እውን ሓቢሩ።

ናይ ትግራይ ተፀዋዒ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል፣ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፣ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰሜን እዚ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩምን ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ ብመግስታዊ ተለቪዥን ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈነወ መደብ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ(ቀዳማይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:45 0:00


XS
SM
MD
LG