ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሰኻ በለስ/ኩችኔል/ ኣብ ትግራይ ካብ ቁፅፅር ወፃኢዶ ይኸውን ኣሎ? (2ይኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

ሓሰኻ በለስ ወይ ቑልቛል ባሕሪ/ኩችኔል ኣብ ክልል ትግራይ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ሕንጣሎ ወጀራትን ዓብዪ ብርሰት ኣውሪዱ’ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓሰኻ ናብ ምብራቓዊ ዞባ ትግራይ እናተጋፍሐ ይኸይዱ ከምዘሎ ዝገልፅ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል ኣቶ ደጋፊ ጎድፋይ እቲ ፀገም ካብ ዓቕሚ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይኸውን ስለዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ነዚ ተቐቢሉ ምስ ፌደራል መንግስቲ ክሰርሕ ኣለዎ ይብል።’’ነቲ ጥፍኣት ሃፍቲ ተፈጥሮ ተሓታቲ መንግስትን ነቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ዩኒቨርስቲ መቐለን እዮም፤ኣብ መፍትሒ እውን ክልላዊ መንግስቲ ሓገዝ ፌደራል ሓቲቱ ክሰርሕ ኣለዎ’’ ኢሉ ኣቶ ደጋፊ።

ኣብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓሰኻ ኮቺኔል ኣቶ ብርሃነ ለማ ግን እቲ ዝወረደ ጥፍኣት ብምእማን ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓሰኻ ኩችኔል ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይጋፋሕ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ይብሉ።ጥፍኣት ዝወረዶም ከባቢታት እውን በለስ ከም ብሓድሽ ንምትኻል ናይ 15 ዓመታት ስትራተጂያዊ ፕላን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

‘’ስርዓት ብዘለዎ ዝተፈላለዩ ትሕጃ ዘለዎም ኣካላት ዝተሳተፍሉ ግን ክኣ ዝግባእ መፅናዕቲ ዘይተገበረሉን ብምዃኑ ክሕተቱ እንተኾይኖም እውን እዞም ኣካላት እምበር ናብ ውልቀ ኣመራርሓ ዝጣበቕ ኣይኮነን’’ክብሉ መሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG