ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓሰኻ በለስ/ኮቺኔል/ ኣብ ትግራይ ካብ ቁፅፅር ወፃኢዶ ይኸውን ኣሎ? (1ይኽፋል)


ሓሰኻ በለስ ወይ ቑልቛል ባሕሪ ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኣቲ 1994 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዞባታት ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ወጀራትን ንበለስ ከምዘብረሶ ይግለፅ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሓሰኻ ናብ ምብራቓዊ ዞባ ትግራይ እውን እናተጋፍሐ ከምዝርከብ ገለ ወሃብቲ ሪኢቶ እንተገለፁ እውን ኣብ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓሰኻ ኮቺኔል ኣቶ ብርሃነ ለማ ግን ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ይብሉ።

ኣብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ሰራሕተኛ ማሕበረ ኢኮኖሚ፣ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ወጀራት 20 ዓዲ ከምኡ እውን ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ወጀራት ብዝምልከት መፃሕፍቲ ዝፀሓፈ ኣቶ ደጋፊ ጎድፋይ ቑልቛል ባሕሪ ንህዝቢ ወጀራት ቀለብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ንእስሳቱ ድማ ናይ ምሉእ ዓመት ቀለብ ከምዝነበረ ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ በለስ ምሉእ ብምሉእ ብምብራሱ ህዝብን እንስሳትን ኣብ ፀገም ከምዝርከቡ ይገልፅ።

ሓሰኻ ኮቺኔል ካብ ቁፅፅርን ዓቕምን ክልል ትግራይ ወፃኢ ከምዝኾነ እውን ኣቶ ደጋፊ ይገልፅ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:02 0:00

XS
SM
MD
LG