ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንምትግባር ኵላቶም ኣካላት ክሰርሑ ምስምማዖም ይገልጹ


ስምምዕ ፕሪቶርያ - ፋይል
ስምምዕ ፕሪቶርያ - ፋይል

ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዛተይቲ ኣካላት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ፡ ምስ ክልተ ወገናት ኣብ ዝገበሩዎ ሳልሳይ ርክብ፡ ዕድመ እቲ ተኸታተሊን ተቖጻጻሪን ኮሚተ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ፡ ነቲ ኮሚተ ዝውዕል ድማ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቑ።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ፡ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕ ዝዀኑ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኣባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑሙዘለ ምላምቦ-ንጋኩዋ፡ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ባንኮለ ኣደዮ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብቲ ተወከልቲ ፈደራል መንግስቲ፡ ነቲ ውዕል ዝፈረመ መሪሕነት ህወሓትን ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ስምምዕ ብምሉእ ንምትግባር ኵላቶም ከም ዝተሰማምዑ እቲ ድሕሪ ርክብ ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG