ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ማእሰርቲ ኣብ ሑመራ ድማ ማእሰርትን ምቕታልን ይፍፀም ኣሎ ኢሎም መራሕቲ ውድባትን ነበርትን


ገለ ካብ ዝተዓጸዋ ሆቴላት ሃርሞኒ ሆቴልን ካሌብ ሆቴልን
ገለ ካብ ዝተዓጸዋ ሆቴላት ሃርሞኒ ሆቴልን ካሌብ ሆቴልን

ኣብ አዲስ አበባን ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርትን ምንክልባትን ምቕፃሉ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ነበርትን ይገልፁ።’’ፈንቅል’'ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ንፌደራል መንግስቲ ዝድግፍን ንህወሓት ዝቃወምን ኣባል መሪሕነትን ናይ ባይቶና ኣባል መሪሕነትን ተአሲሮም አበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥ ኣባል መሪሕነት ‘’ፈንቅል’’ እየ ዝበለ ንቪኦኤ ገሊፁ።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራን ከባቢኡን መቐተልቲ ከምዝፍፀምን ኣሽሓት ድማ ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ካብ ሑመራ ሃዲሞም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ሓምዳይት ዝኣተው ገሊፆም።

ካብ ፌደራል ፖሊስን ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሕራን ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምዕፃው ኣብያተ ንግድን ይፍፀም ከምዘሎ መረዳእታ በፂሑኒ ክብል ምግላፁ ይዝከር።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝዓለመ ማእሰርቲ ይፍፀም ኣሎ ኢሉ ኣሎ።

‘'ፈንቅል’’ ብዝብል ሽም ናይ ዝፅዋዕናይ መናእሰይ ምንቅስቓስ ኣባል ኣመራርሓ ምዃኑ ዝገለፀ መንእስይ ሙሉጌታ ወረደ ንሱን ኣዕርኽቱን ንህወሓት ብምቅዋም ንናይ ፌደራል መንግስቲ ምንቅስቓስ ለውጢ ክድግፉ ከምዝፀንሑ ይገልፅ።

ሕዚ ግን ናይ ትግራዋይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ስራሕ፣ ብቁጠባን ብሞራልን ናይ ምድኻም ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ዝበለ ኣቶ ሙሉጌታ መርኣያታቱ ድማ አብ ኣዲስ ኣበባን መላእ ሃገርን ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ ንፁሃን ተጋሩ ካብ መንበሪኦምን መንግድታትን እናተሓፈሰ ይእሰሩ ኣለው ይብል።

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ‘’ፈንቅል’’ ሚኪ ተስፋይ ተኣሲሩ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጥ ይገልፅ ሙሉጌታ።

ይፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ፖለቲካዊ ደንበ ዘይፈሊ እዩ ዝበለ ኣቶ ሙሉጌታ ዘርኢ እናተፈለየ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፀሙ ተግባራት ማእሰርትን ምንክልባትን ኣዚዮም ዘጨንቑ እናኾኑ ቀፂሎም ኣለው ኢሉ።

ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይን ህወሓት ካብ ስልጣኑ ምስተልዓለ ብፌደራል መንግስቲ ናይ ዝተሸመ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣባል ካብኔ ዝነበረን ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ መልእኽቲ ናብ ወፃኢ ሃገር ክጉዓዝ ደልዩ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ከምዝተኸልከለ ገሊፁ።’’ቅድሚ ዓመታት ዝተኣሰርኩሉን ነፃ ዝተብሃልኩሉን ክሲ ዳግም ተላዒሉ ንከላኸል ናይ ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ተዋሂቡኒ ኣሎ’’ይብል ኣብ ፅሕፉ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ከይተረፈ እናተሓፈሱ‘’መዳጎኒ’'ኢሎም ኣብ ዝፀውዕዎም ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ የግልፁ።

ኣብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ርክብ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣቶ ሃይሉ ከበደ ካብ ወፃኢ ሃገር ይምፃእ ካብ ውሽጢ ብዘየገድስ ተወለድቲ ትግራይ እናተሓፈሱ ንግፍዒ ይቃልዑ ኣለው ኢሉ።

ኣቶ ሃይሉ ብምውሳኽ እቲ ጉዳይ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን እንተፈልጡ እውን ‘’ንከታተሎ ኣለና’’ ካብ ምባል ወፃኢ ዝተረኸበ መፍትሒ የለን ይብል።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ፣ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ምእሳር ጠጠው ይበል’’ ክብል ብምሕታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ዘለውዎ ቦታ ከፍልጥ ፀዊዑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘’ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝቐፀለ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ሰባት ዝዓለመ መጥቓዕቲ ምህላውን ህይወት ምጥፍኡን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ እሱራትን ምሩኻትን ዝወርድ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ መጥቓዕታትን ህፃናት ንውትድርና ምጥቃም ዘመልክቱ መረዳእታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ 8 ሓምለት 2013 ዓ\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ቅድሚ ዓሰርተ ማዕልታት መግለፂ ዝሃቡ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ንህወሓት ብምድጋፍ ዝተጠርጠሩ 325 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎምን እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምስ ብሄራዊ መንነት ዝተኣሳሰረ ከምዘይኮነን ምግላፆም ይዝከር።

ብኻሊእ ዜና ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍላት ድማ ኣብ ከተማ ሑመራን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ቅትለት ሓዊሱ ግፍዒ ይፍፀም ኣሎ ክብሉ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሃዲሞም ኣብ ሓምዳይት ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ዝኣተው ተወለድቲ ትግራይ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ሕዚ እውን ስድርኦም ወይ ተኣሲሮም ወይ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ስለዝርከቡ ሽምና ይትዓቀብ ዝበሉ እዞም ስደተኛታት ሰባት ብበዝሒ ናብ ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለው ይገልፁ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን እንተወሓደ 3,000 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ዶብ ጥሒሶም ናብ ሱዳን ከምዝ ሃደሙ ሰበስልጣን ሱዳን ገሊፆም ኣለው።

ቪኦኤ ካብ ዘዘራረቦም ሰለስተ ስደተኛታት ዝብሉዎ በደል ተመሳሳሊ እዩ።ዕጡቓት ኣምሓራ ንኹሎም ናይ ትግራይተወለድቲ ‘’ጁንታ’’ እናበሉ ከም ዘንከላብቱዎምን ከምዝኣስሩዎምን ይገልፁ።ኣብ ናይ ሰሊጥ መኽዘናትን ኣብያተ ማእሰርትን ኣሽሓት ተጋሩ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይገልፁ።ምስ ስድርኡ ተኣሲሩ ከምዝነበረን ንሱ ምስ ተፈትሐ ሃዲሙ ከምዝወፀን ካልኦት ኣባላት ስድርኡ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝክረቡን ዝገለፀ እዚ ስደተኛ ምሕምባስ ኣፀቢቑ ሰልዝፈልጥ ብለይቲ ተሓቢኡ ከምዝወፀ ገሊፁ።

ጁንታን ናይ ወያነ ተለኣአኽቲ እናበሉ ከምዝፅውዑዎም ዝገልፀን ህይወቱ ንምትራፍ ተሓቢኡ ምህዳሙ ዝገልፅ እዚ ስደተኛ ንህይወቱ ክብል ሽሙ ምጥቃስ ዘይደልዮ ናይ ቀረባ ዓርኩ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ተወሲዱ ኣበይ ከምዝኣተወ ከምዘይፈልጥ ይገልፅ።ንሱ ዝፈልጦም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዛረብ።ፌቨን በርሀ ዝተብሃለት ነባሪት ከተማ ሑመራን ወናኒት ቤት ምግቢን ብዘሰቅቕ ተቐቲላ ስድርኣ ይኹኑ ፈተውታ ከይተረኸቡ ‘’ብቶም ቀተልቲ’’ ተቐቢራ ይብል።

ኣብ ሑመራን ከባቢኡን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ስልዝርከቡ ማሕበረሰብ ዓለም ክበፅሐሉ ይግባእ ክብል እውን መልእኽቱ ኣሕሊፉ።

UNHCR ኣብዚ ሰሙን ብኢሱዎ ብሰንኪ ዝቐፀለ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ክኣትው እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝገብር ገሊፁ ኣሎ።

ኣብዚኦምን ካልኦት ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ሪኢቶ ንምርካብ ንናይ ፌደራል ፖሊስ ኮሚሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤልን ናይ ኣምሓራ ክልል ወሃቢ ቃል ኣቶ ግዛቸው ምሉነህን ተደጋጋሚ ስልኪ ደዊለ ኣይሰለጥን።ምስረኸብና ክነቕርበልኩም ኢና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG