ንህዝቢ ኣምሓራ ንጉድኣት ዘሳጥሑ መልእኽትታትን ጭርሖታትን ኣብ ህዝባዊ ሰልፍታት ክንፀባረቑ ከምዘይብሎም ናይ ኣምሓራ ክልላዊ መንግስቲ ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣተሓሳሲቦም።ናይቲ ህዝቢ ደሕንነት ንሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዘቃልሑ ኣካላት መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እዩ ኢሎም።
ንሶም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ሰላምን ምዕባለን ዘይደልዩ ብዝበሉዎም ኣካልት እቲ ክልል ኣብ ናይ ድሕነትን ስግኣትን ተፅዕኖ ይርከብ ኢሎም።