ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዳሽ መፅሓፍ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ


መበል 59 ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር መፅናዕትታት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲስ ካብ 1 ታሕሳስ ክሳብ 3 ታሕሳስ 2016 ናይ ሰለስተ ማዕልታት ዓመታዊ ኣኼብኡ ኣካይዱ’ሎ።

ንኣፍሪካ ዝምልከቱ ብምሁራን፣ብተመራመርትን ብኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ሓዊሱ ብዙሓት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቐሪቦም ኣለው።

ብዙሓት ፍሉጣት ፀሓፍትን ደረስትን መፃሕፍትታቶም ዘቕረቡሉ ናይ መፃሕፍቲ ኤግዚቢሽን ወይ ምርኢት እውን ዝቐረበ እንትኸውን መፃሕፍትታቶም ካብ ዘቕረቡ ሓደ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ እዮም።

ዶ/ር በረኸት ዛጊድ 12 መፃሕትን ክልተ ተዋስኦታትን ዝፀሓፉ ክኾኑ ከለው ‘’Deliverance: A Tale of Colliding Passions and the Muse of Forgiveness’’ ብቐረባ ትርጉም ‘’ ድሕነት፡ናይ ድልየታት ግጭትን ናይ ይቕሬታ ፀጋን’’ ዘርእስታ ሓዳሽ ታሪኻዊት ልብወለድ ንንባብ ኣብቂዖም ኣለው።

‘ቀንዲ መልእኽቲ እታ መፅሓፍ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዕርቀ-ሰላምን ይቕሬታን ከምዘድሊ እተዘንቱ ታሪኻዊት ልበወለድ እያ’ይብሉ ዶ/ር በረኸት።

ዶ/ር በረኸት ኣብ እዋን ሃፀይ ሃይለስላሴ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ሰሪሖም እዮም።ንቓልሲ በረኻብ ብምውፃእ ድሕሪ ነፃነት ኤርትራ ኣቦ መንበር ኣርቃቒ ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ብቐንድነት ንሕገ መንግስቲ ኤርትራ ዝፅሓፉ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክአል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:34 0:00

XS
SM
MD
LG