ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 39 ልደት በዓል ህወሓት ሎሚ ተኸቢሩ


ኣባይ ወልዱ፣ኦማር ኣል-ባሽርን ሃይለማርያም ደሳለኝን
ኣባይ ወልዱ፣ኦማር ኣል-ባሽርን ሃይለማርያም ደሳለኝን
ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 39 ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ደገፍትን እቲ ውድብ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ኣብ መረባ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ በዓል ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕሬዝዳንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሽርን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣናት ክልቲአን ሃገራት ተረኸቦም፡፡
ሃይለማርያም ደሳለኝ “ብፅሒት እዚ ወለዶ እዚ ዝበለፀ ልምዓትን ዝሐሸ ሰናይ ምምሕዳርን፣ሱር ዝሰደደ ዴሞክራስን ዝተጠናኸረ ሓድነትን እምበር ህውከትን ዕንወትን ዘይምዃኑ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ወትሩ ተረጊፅና ክነገንዝብ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ኣቦወንበር ህወሓት ኣባይ ወልዱ ብግዲኦም ከምቲ ኣብ ማሕበረ ቁጠባን ልምዓትን ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወት ኣብ ህንፀት ዲሞራሲን ሰናይ ምምሕዳርን እውን ክንደግሞ ጠንኪርና ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡

ኣብቲ መድረኸ ዝተረኸቡ ፕሬዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሽር ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ርክብ ህዝቢ ትግራይን ሱዳንን ካብ ዘበነ ኣክሱም ከምዝጅምር ገሊፆም ኣብ ወያነ ትግራይ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ክሳብ ሐዚ ከምዘሎን ተዛሪቦም፡፡

ቅድሚ 24 ብ1983 ዓ.ም ውድቀት ደርግ ምስ ተበሰረ ነፍሲሔር መለስ ዜናዊ ዝርከብዎም ውሱናት ኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ዝሓዘትን ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመረሐ ኣልፋታሕ ዝተባሃለ ፓይለት ኣብቲ መድረኽ ተረኺቡ ተዘክሮታቱ ገሊፁ፡፡

ኣብ ለንደን ምስ ደርግን ካልኦት ሓይልታትን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ እማመ ሰላም ምስ ፈሸለ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትጓዓዙን ካብ ክልተ ሞተራት እታ ነፋሪት እቲ ሓደ ምስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ከቢድ ድንጋፀ ፈጢሩ ምንባሩን ዳሓር እቲ ሞተር ምስራሕ ከምዝጀመረን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን ኣልፋታሕን ኣዘንትዮም፡፡
መንግስቲ ሱዳን እታ ነፋሪት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ቤተመዘክር ክትቅመጥ ናብ ከተማ መቐለ ኣምፂኡ ሎማዓንቲ ንመንግስቲ ትግራይ ኣረኪቡ’ሎ፡፡

ልደት ህወሓት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ይኽበር ምህላዉ ይፍለጥ፡፡
ሙሉእ ፀብፃብ ኣከባብራ‘ቲ በዓል ንምስማዕ ኣብ‘ዚ ጠውቁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:05 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG