ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካዊያን Thanksgiving በዓልን እንስሳ ተርኪን


ተርኪ ወይ ታኪን
ተርኪ ወይ ታኪን
Thanksgiving ኢሎም ይጽዉዕዎ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ።ናይ ኣሜሪካዊያን በዓል እዩ።ኣብዚ ዕለት እዚ ዝብላዕ ምግቢ እውን ዝተፈለየ እዩ።ተርኪ ወይ’ውን ታኪን ዝተብሃለ ዛግራ ወይ እውን ደርሆ ዝመስል እንስሳ በሲሉ ከም ናይ ደርሆ ኣሮስቶ በሲሉ ይቐርብ።ተርኪ ወይ ታኪን እንስሳ ዘቤት ገይርኻ ንምግብነት ምውዓል ግን ናይ ኣሜሪካዊያን ፈጠራ ኣይነበረን።ናይ ሜክሲካዊያን እምበር።
ኣሜሪካዊያን ምስ ቤተሰቦምን ዘመድ ኣዝማዶምን ተኣኪቦም ኣብ ዘኽብርዎ በዓል thanksgiving ወይ ብተቐራራቢ ትርጉሙ ኣብ ናይ ምስጋና በዓል ዝተጠበሰት ታኪን ወይ ተርኪ እያ።ኢንግሊዛዊያን ኣመንቲ ናብ ፐሊሚት ቅድሚ ምምጽኦም ኣሜሪካዊያን ተርኪ ንምግብነት የውዕሉዋ ነይሮም ዝበላ ኣብ ምንስቴር ሕርሻ ዩናይትድ ስቴትስ ተመራማሪት እንስሳ ተርኪ ጁሊ ሎንግ እየን። ’’ሜዞሜሪካዊያን ተርኪ ናይ ኩሉ ግዜ ምግቦም ነይራ።’’
ሜዞሜሪካ ሎሚ ሜክሲኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃገር እዩ።ተርኪ ንፈለማ ግዜ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 800 ዘመን እንስሳ ዘቤት ንኽትኸውን ዝገበርዋ ሜዝሜሪካዊያን እዮም።
XS
SM
MD
LG