ኣብ መይንማር፡ ኣብ ዘይሕጋዊ መርበባት ኦንላይን ተዋፊሮም ዝጸንሑ 260 ዜጋታት በበይኑ ሃገራት ተቐቢሉ ትማሊ ረቡዕ ካብ ማእሰርቲ ተለቒቖም ናብ ጎረቤት ሃገር ታይላንድ ኣትዮም። እቶም 260 ግዳያት፡ ዜጋታት 20 ሃገራት ኰይኖም፡ 138 ካብኣቶም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ምስ ታይላንድ ዘዳውብ ወገን መይንማር፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተሓቢሎምን ተኣሲሮምን ኣብ ብመንገዲ ኢንተርነት (ኦንላይን) ዝግበር ወፍሪ ገንዘብ ምውህላል ይሰርሑ ከምዝነበሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። እቶም ግዳያት መጭወይቲን ምድንጋርን ዝዀኑ ዜጋታት በበይኑ ሃገራት ኣብታ ሃገር ንስራሕ ተባሂሎም ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ማእከላት፡ ጊልያነት ብዝመሳሰል ኣገባብ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት በበይኑ ሓሶታት እናፈጠሩ ንግዳያት ገንዘብ ከም ዝልእኩ ዝግበሩ’ዮም።
እዞም ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ፡ ተቓለስቲ መይንማር ነቲ ምስ ታይላንድ ዝዳወብ ኣከባቢ ድሕሪ ምቍጽጻሮም’ዮም ተለቒቖም ናብ ጎረቤት ሃገር ታይላንድ ክኸዱ ዕድል ረኺቦም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።
Abraham T. Zere
ቅጥዒ