ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝሞቱ ኪነ-ጥበባዊያን ዝተዳለወ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ሙሉ ገ/ዋህድን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ(ሊንጎ)ን፡ ንመወቲ ይዝክሩ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈን መጻእን ብድሆታት ኪነ-ጥበብ`ውን ኣልዒሎም ይዛረቡ

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መቀለ ናብ ካርቱም ኪነ-ጥበባዊያን ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶብስ ተገልቢጣ ትሻዓተ ነባራትን ሓደስትን ኪነ-ጥበባዊያን ክሞቱ ከለው ብርክት ዝበሉ ከምዝቆሰሉ ዝዝከር‘ዩ።ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ መዘራረቢ ገይርናዮ‘ለና።ኣጋይሽና ኣብ ውሽጢ‘ታ ኣውቶብስ ዝነበረትን ኣብ ኢዳን እግራን መጠነኛ ጉድኣት ዝወረዳን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ትርከብ ሙሉ ገ/ዋህድን ነባር ኣባል ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሊንጎ ኣቶ ኋይለሚካኤል ኋይለስላሴን‘ዮም።

ኣብ ኣባላት ባህሊ ትግራይን ኤርትራን ሰብ-ሰራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ኣጓኒፎም ኣባላት ንክሞቱ ፈላማይ ነገር ኣይኮነን ይብሉ ናይ ሎሚ ኣጋይሽና።

ኣብ ኤርትራ፣ኣብ ሓደ እዋን ኣባላት ጉጅለ ባህሊ መኪናኦም ብውሕጅ ተወሲዳ ብርክት ዝበሉ ሞይቶምና‘ዮም ይብል ሊንጎ።ሙሉ ብወገና ብጠንቂ ነፈርቲ ውግእ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝነበረ ደርግ ዝፈፀመኦ ደብዳብ ገለ ኣባላት ባህሊ ዝተቀትሉሉ ጊዜ ነይሩ‘ዩ ትብል።

ክልቲኦም ሞያውያን ሞት ኣባላት ሓንቲ ጉጅለ ዝተወሰነ ፅዕንቶ ዘሕድር‘ዩ፣ ኪነ-ጥበብ ውፅኢት እኩባት ስለዝኾነ ግና ንቅድሚት ምምራሹ ኣይተርፍን ይብሉ።



XS
SM
MD
LG