ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቴክሳስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ተኹሲ 5 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ይትኩሶ ዝነበረ ሓውሲ ኣውቶማቲክ ብረት ደው ከብል ምስተሓተተ ንሓሙሽተ ጎረባብቱ ቶኪሱ ንዝቐተለ ንኣብ ቐይዲ ንምእታው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ፍተሻኦም ቀፂሎም ኣለው።

38 ዓመት ዝዕድሚኡ ፍራንሲስኮ ኦሮፔዛ ኣብ ንእሽተይ ከተማ ክሊቭላንድ ቴክሳስ ቆልዓ ስለዝደቀሰ ቶኽሲ ጠጠው ከብል ምስ ተሓተተ ኣብ ልዕሊ እቶም ጎረባብቱ ተኹሲ ብምኽፋት ቀቲልዎም.

ሓደ ካብቶም ግዳያት ወዲ 9 ዓመት ቆልዓ ምኳኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ውልቀሰብ ኣብ ቐይዲ ክኣትው ሓበሬታ ንዝሃበ 8,000 ዶላር ሽልማት ከምዝወሃብ ንዝቐረበ ፃውዒት 25,000 ዶላር ከምዝውስኸሉ ቤት-ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ(FBI) ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ሁስተን ወኪል ቤት ፅሕፈት ቤት-ጽሕፈት ፌደራል ምርመራ(FBI) ዝኾነ ጄሚስ ስምዝ"ኣበይ ከምዝኣተወ ኣይንፈልጥን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ የብልናን። ነዚ እውን እዩ እቲ ናይ ገንዘብ ሽልማት ነቕርብ ዘለና’’ ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ጃምላዊ ቶኽሲ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብ ዓመተ 2023 ጥራይ ብውሑዱ 176 መጥቃዕቲታት ተኹሲ ተፈፂሞ።ብመሰረት ኣርካይቭ ጋን ቫይሎንስ ካብ 2016 ጀሚሩ እዚ እቲ ዝዓበየ ዝተመዝገበ ቁጽሪ'ዩ።

ብመሰረት ትርጉም ናይዚ ንትርፊ ዘይሰርሕ ጉጅለ ጃምላዊ ቶኽሲ ማለት እቲ ተኳሲ ከይሓወሰ ኣርባዕተን ካብኡ ንላዕል ዘቑሰለ ወይ ዝቐተለ እዩ።

XS
SM
MD
LG