ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ሕሙም ኢቦላ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ


A general view of Texas Health Presbyterian Hospital in Dallas, Texas Oct. 1, 2014.
A general view of Texas Health Presbyterian Hospital in Dallas, Texas Oct. 1, 2014.

ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ፈላማይ ሕሙም ኢቦላ ተረኺቡ።ኣብ መጀምሪያ እዚ ወርሒ እዚ ካብ ላይበሪያ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኣተወን መንነቱ ዘይተገልፀን ሰብ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ከተማ ዳላስ ተፈልዩ ይሕከም ከምዘሎ ዶክተራት ኣፍሊጦም ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዳይረክተር ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ቶማስ ፍረይደን እቲ ብኢቦላ ዝተለኽፈ ሰብ ካብ ላይበሪያ ክልኣዓል ከሎ ይኹን ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ይበርር ኣብዝነበረሉ እዋን ጥዑይ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቲ ሰብ ካብ ላይበሪያ 19 መስከረም ተላዒሉ 20 መስክረም 2014 ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ተላዒሉ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ካብ ላይበሪያ ክልዓል ከሎ ወይ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክኣቲ ከሎ ናይ ሕማም ምልክት ኣይነበሮን።ድሕሪ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ማዕልታት ናይቲ ሕማም ምልክት ምርኣይ ጀሚሩ’’ኢሎም።

ምልክት ክሳብ ዘየርኣየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እቲ ሰብ ንካልኦት ናይ ምምሕልላፍ ስግኣት የለን ኢሎም ፍረይደን።ናይ ምሕማም ምልክታት ኣርእዩ ኣብ ከተማ ዳላስ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ካብ ዝኣቲ ንድሓር ምስቲ ሰብ ዝተራኸቡ ሰባት ንምልላይ ሰበስልጣን እናፈተኑ እዮም።

እዞም ሰባት እዚኦም እቲ ሕማም ዝሓዞም ምዃኖም ንምርግጋፅ ብቐረባ ክትትል ክግበረሎም እዩ።እቲ ሕሙም ኣብ ሆስፒታል ፕረስብተሪያን ፅዑቕ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎን ምእንተ ናይቲ ሰብ ውልቃዊ ሓበሬታ ክብሃል ካሊእ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዘይህቡን ወሃቢ ቃል እቲ ሆስፒታል ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ልዕሊ 3,000 ሰባት ብኢቦላ ምማቶም ትካል ጥዕና ዓለም ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG