ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ስነ-ጥበባዊያን ውቅያኖስን ቖርጫጭን (1ይ ክፋል)


ውቅያኖስ ጉዕሽን ተስፋዓለም ኣረፋይነን
ውቅያኖስ ጉዕሽን ተስፋዓለም ኣረፋይነን

ተስፋዓለም ኣረፋይነን ውቅያኖስ ጉዕሽን ጥበብ ዘዛመደቶም’ምበር ብኣካል፣ ብስጋ ይኹን ብቦታ ኣይራኸቡን ኣይፋለጡን። ተስፋዓለም ኣብ ለንደን ኢንግላንድ፣ ውቅያኖስ ድማ ኣብ ሑመራን መቐለን ትግራይ ከለው’ዮም ተላልዮም።

ክልቲኦም ስነ ጥበባዊያን ‘ከምኣጋጣሚ ከምዝተራኸቡን ሕውነታዊ ርክቦም ብዝሞቐ ኣገባብ ከምዝቐጸለን’ ይምስክሩ።

ብዕድመን ተመክሮን ዝዓብይ ተስፋዓለም ንውቅያኖስ ‘ነዊሕ ዝጠመተን ዝዓሞቐን ማዕዳ’ ይልግሰሉ። ‘ቀስ ኢሉን ኣስተብሂሉን’ ንክዓቢ። ውቅያኖስ ብተርኡ ‘ስራሕቲ ስነ ጥበብ ጀመርኩዎ’ምበር ኣይወዳእኩን ‘ቅሰኑ’ዳኣ’’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:43 0:00


XS
SM
MD
LG