ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ


Dr. Tedros A
Dr. Tedros A
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ንዝበፅሐ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ተመጣጣኒ ዝበለቶ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይራ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መፃንሒ ቦታታትን ካብ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያዊያን እቶም ዝበዝሑ ናብ ሃገሮም ምምላሱ ዘፍለጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝተፈፀመ ግፍዕን በደል ብምውጋዝ ኢትዮጵያዊያን ዝበፅሖም ጉድኣት ኣመልኪቱ ንዓለምለኸ ሕጊ ተመስሪቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣመልኪቱ’ሎ።

ብዝተሳሰረ ዜና ዛጊድ ካብ ስዑዲ ዓረብ 37 ሽሕ ዜጋታቱ ምምላሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድልዪ ስጉምቲ ኣይወሰደን፣ንምንጪ እቲ ፀገም ኣይፈትሐን ኢሎም መረረ ዘስምዑ ኣብዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ንዝዝተፈፀሙ ግፍዕታትን በደላትን ንስዑዲ ዓረብ ተሓታቲት ንምግባር ይካየዱ ዘለው ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሕዚ’ውን ቀፂሎም ኣለው።
ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:35 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG