ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ምርጫ ኣብ መንጎ እቲ ክልልን ፌደራልን ወጥሪ ከምዝነሃረ ተሓቢሩ


ክሳብ 2018 ኣ\ፈ ንዓሰርተታት ዓመታት ነታ ሃገር ዝገዘአ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ ናይ ባዕሉ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ወሲኑ ኣሎ።ናይ ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ እዚ ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ኣሎ።መንግስቲ ፌደራል ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምጥቓስ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ምስ ኣናውሖ እዩ ህወሓት ምርጫ ከምዝካየደ ዝኣወጀ።ክልል ትግራይ ወታደራዊ ምርኢት ምስ ምግባራን ምርጫ ካብ ምግባር ዝኽልክለኒ የለን ምስ ምባላን እቲ ምስሕሓብ ስግኣት ግጭት ክውስኽ ገይሩ ኣሎ።

ቅትለት ሙዚቀኛን ኣክቲቪስትን ጅግና ንኢትዮጵያዊያንመናእሰይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ልዕሊ 230 ሰባት ምስተቐተሉ ድሕሪ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ‘’ስረይ ስረኻ’’ ረፅሚ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ዘለዎ ዛዕባ ይቀላቐል ኣሎ። ብቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝምራሕ ጥምረት ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈለየ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ መንግስቲ ንሃገራዊ ምርጫ ብዘይደረትብምንዋሕ ስልጣን ይሕዝ ኣሎ ክብል ይኸስስ።ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ ለበዳ ኮሮናቫይረስይጋፋሕ ኣብዘለሉ ምርጫ ምክያድ ዘይሓላፍነታዊ እዩ ይብል።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ብጥሕሰት ሕጊ ይካሰሱ ስለዘለው እቲ ውጥጥ ምትሕልላኽ ሕጊ ፈጢሩ ይርከብ።መንግስትን ሃገራዊ ፓርላማን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዘይተሓወሶ ዝካየድ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ከለው ክልል ትግራይ ብወገኑ ናይቲ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፃት ብምጥቓስ መሰላት ዓርሰ ውሳነይ ሕሉው እዩ ይብል።

ኣብ 2018 ኣ\ፈ ስልጣን ካብ ዝሕዙ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ንቁጠባ እታ ሃገር ነፃ ንምግባርን ሓዱሽዘመነ ዴሞክራሲ ንምምፃእን ቃል ኣትዮም እዮም። ይኹን እምበር ርሱን መንነት ካብ ዝንፀባረቐሎም ከባቢታት ንዝመፅእ ሕቶታት ዓርሰ ምሕደራ ንምቕናስ ክቃለሱ ፀኒሖም ኣለው።

ከምዚ ክብል ንቪኦኤ ይገልፅ።‘’ምርጫ በብሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ኣለዎ፤ኣብ ክልቲኡ፤ ብደረጃ ሃገር ይኹን ንክልላውን ከባቢያዊን ኣብያተ ምኽሪ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ’’ ዝበለ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፍስሃ ፍስሃ ሃብተፅዮን እቲ ሕገ መንግስቲ ከምኡ እዩ ብምባል ይገልፆ። ‘’ፌደራል መንግስቲ ግን ነቲ ምርጫ ንምንዋሕን ብዘይ ገደብ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕን ከም ምስምስ ስግኣትን ለበዳን ኮሮናቫይረስ እዩ ተጠቒሙ’’ይብል ብምዝዓብ።

እቲ ክልል ምርጫ ናይ ምክያድ ትልሙ ብምቕፃሉ ወታደርዊ ስጉምቲ ዝወሰዶ እንተኾይኑ ዝተሓተተ ፍስሃ እቲ ክልል ንርእሱ ንምክልኻል ዝኣክል ኣፅዋር ኣለዎ ኢሉ።

ንቪኦኤ መግለፂ ዝሃበ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይይውሰዱ ብዘለው ‘’ዘይሕገ መንግስታዊን በይናዊን ስጉምቲታት ስኽፍታታቶም ገሊፆም እዮም’’ይብል።ፀረ ሕገ መንግስቲ ንዝግበሩ ምንቅስቓሳት ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ስጉምትታት ከምዝውሰዱ እውን ገሊፆም እዮም ይብል።ነዚ ኣብዝገለፅሉ እዋን መንግስቲ ‘’ኣብ ልዕሊ ነገረኛታት ፋሕጠርቲ ፅልኢ ናይ ክልል መንግስታት ወታደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ድልየት ከምዘይብሉ’’ እውን ኣስሚረምሉ እዮም።

ማርሸት መሓመድ ሃምዛ ኣብ ጄኔቭ ኣካዳሚ ዓለምለኸ ሰባዊ ሕጊን ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ድህረ ምረቓ ምፅናዕቲ የካይድ ዘሎ ተንታኒ እዩ።ሃምዛ ክልቲኦም ወገናት ብሕጊ ይሰርሑ የለውን ምስበለ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናዲዩይፅውዕ።

ክልቲኦም መንጋስታት እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ከም ገሃሲ ሕገ መንግስቲ ክርኣይ ነንሕድ ሕዶም ነቲ ሕጊ ከም መጥቅዒ ክጥቀምሉ እዮም ዝፍትኑ ዘለው ይብል ሃምዛ። ‘’ኣብ ኣብይታ ግን ምርጫ ብዝምልከት ክልቲኦም ሕገ መንግስታዊ መሰረት የብሎምን።ከም ከማይ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ተኸባቢሮም ክዘራርቡ ኣለዎም’’ ይብል።

ኣብ ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ወፍሪ ምርጫ ጀሚሩ ኣሎ።ድምፂ ዝወሃበሉ ዕለት ግን ብዕሊ ኣይተገለፀን።

XS
SM
MD
LG