ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ነቀምት ዝተፈጥረ ውጥረት ቀጺሉ ምህላው ተገሊጹ


ከተማ ደምቢዶሎ
ከተማ ደምቢዶሎ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ ነቀምት ውጥረት ከምዘይዘሓለ ተገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ንዝተፈትሑ መራሕቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ አቶ በቀለ ገርባን ዶ/ር መረራ ጉዲና ንምቅባል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ናብ አደበባባይ እታ ከተማ እንተወጸ’ኳ ናብቲ ከባቢ ዝመጸ ፈደራል ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጉምቲ እቶም መራሕቲ ክምለሱ ከምዝተገብረ ተገሊጹ’ሎ።

ነዚ ስዒቡ ህዝቢ’ታ ከተማ ካብ ቀዳም ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀጺሉ ክብሉ ነበርቲ ሓቢሮም።

ብካልእ ዜና ንሃይማኖታዊ አኼባ ምድላዋት ትገብር ኣብ ዘነበረት ናይታ ክልል ከተማ ደምቢደሎ ነቲ አኼባ ንምልላይ ምንቅስቃስ ክግበር ከሎ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሓደ ሰብ ምሟቱን ሓያለ ምቁሳሎምን ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG