ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነባራይ ተምቤን 'ብፖሊስ መግረፍቲ ከምዝተፈጸሞ' ይገልጽ


ኃይለማርያም ሕሉፍ
ኃይለማርያም ሕሉፍ

ነባራይ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ኃይለማርያም ሕሉፍ ኣብ'ዚ ቀረባ 'ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ'ታ ከተማ ካብ ስርሑ ኣገዲዱ ድሕሪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ከምዝገረፎ' ገሊጹ።

ንሱ 'ጠንቂ መግረፍቲን ምቕጥቃጡን ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእል'ዩ ብፍላይ ግና ኣባል ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ትግራይ (TAND) ስለዝኾንኩ'የ' ይብል።

ኃይለማርያም ሕሉፍ ብሰንኪ ዝወረዶ መግረፍቲ ሓደ እዝኑ ከምዝጸንዖን ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ሕክምና ክንክን ይረክብ ከምዘሎን ገሊጹ።

ካብ ቤት ምእሰርቲ ዘውጸኦ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ወረዳ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:41 0:00

XS
SM
MD
LG