ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕውስዋስ ገምጋማት ተጋሩ ኣብ ልዕሊ መደረ ቀ/ሚ ኣብዪን ኩነተ ትግራይን (2ይ ክፋል)


PM Abyi Ahmed
PM Abyi Ahmed

‘ናይ ብሄር ብዙሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት'ውን ንክህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ብዙሕነት’ዚ ዘተኣናግድ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ድሩትነት ነይሩ'ዩ። መንግስቲ ኣብ ዙርያ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዓብዪ ስራሕ ይጽበዮ ኣሎ፣ እዚ ክኾን ዝኽእል ግን ሰባት ብምቅይያር ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ህንጸት ትካላት ዝላዓለ ቆላሕታ ክግበር ኣለዎ’ ይብል የማነ ካሳ።

‘ናበይ ንኸድ ኣለና? ኣብ ዝብል ጽልምት ዝበለ ኩነታት ኣይረአየንን። ምኽንያቱ ገዛኢ ውድብ ምስ ህዝቢ ክቀራረብ ጀሚሩ ኣሎ፣ ምስ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ምዝራርብ ጀሚሩ ኣሎ፣ ኣብ ለውጢ ኣመራርሓ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀሚሩ ከምጽቡቕ ስዳሮ’የ ዝሪኦ። ንቀጻላይ ጽቡቕ ተስፋ እዩ ዝራኣየኒ። ጽቡቕ ኩነተ ዴሞክራሲን ልምዓትን ኣብ ሓድነት ዝተመስረተ ማዕርነት ኣብ ኢትዮጵያ ክረጋገጸሉ ዝኽእል መስርሕ ክተኣታቶ’ዩ’ ዝብል እምነት ኣለኒ ይብል ደራሲ ሃይላይ ሓድጉ።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ዓረና ትግራይን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ዝምድናታትን ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ብወገኑ ‘ኣብ ስርፓተ ዴሞክራሲ መራሕቲ ንህዝቢ ክፈርሑ ይግበኦም። ህዝቢ ኣይኮነን ንመንግስቲ ክፈርሕ ዝግበኦ። ኣብ ኩነተ ትግራይ ግን ስርዓተ ቅርጺ ህወሓት ህዝቢ ንምቁጽጻር’ምበር ንህዝቢ ንምግልጋል ኣይኮነን’ ይብል።

XS
SM
MD
LG