ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጋሩ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ኣንጻር ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ሰልፊ ኣካይዶም


ሰልፊ ተቃውሞ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
ሰልፊ ተቃውሞ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ካብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ግዝኣት ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኣተው ትግራዎት ኢትዮጱያዊያን፣ ኣብ ፊት ንፊት ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሎሚ ሓሙስ ድምጾም ኣቃሊሖም።

ኣብ’ቲ ሰልፊ መደረ ዘስመዐ ፕረዚደንት ቤት ጽሕፈት ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣሉላ ሰሎሞን ዕላማ’ቲ ናይ ሎሚ ሰልፊ ‘ንጨቋኒ ዝበሎ ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ንምቅዋምን ንምርጫ ትግራይ 2012 ንምድጋፍን’ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሰልፊ ንዝተሳተፉ ኤርትራዊያን’ውን ኣመስጊኑ ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን። አሉላ ኣስዒቡ ‘ዕላማ እቲ ሰልፊ፣ ህዝቢ ትግራይ፣ ንናይ 2012 ዓ/ም ምርጫ ንምክያድ ንዝጀመሮ ንጥፈት ንምድጋፍ፣ ድምጺ እቶም ተጋሩ ብምኻኖም ጥራሕ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ፣ ሳኣን ፍትሒ ይሳቀዩ ንዘለው ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምቅላሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቅበልን ስለዝበለ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድያን የመንን ይሳቀዩ ንዘለው ዜጋታት ድምጾም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንምቅራብ እዩ’ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG