ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጋሩ ኣብ ዋሽንግተን ዳሲ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምውላዕ ውግእ ብሰልፊ ይዝክሩ


ሰልፊ ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
ሰልፊ ተጋሩን ደገፍቶምን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ

ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2014 ወይ ድማ 4 ሕዳራ 2021 ምጅማር ኲናት ኣብ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ነበርቲ ቪርጆንያን መሪላንድን ከምኡውን ዲሲ ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቖጸሩ ነበርቲን ነቲ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት መገድታት ዓጽዩ ህዝቢ ብጥምየት ክምወት ተፈሪዱሉ ይርከብ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ክገብሩ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ መደብ መስፍን ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) በጺሖም። ድሒሮምውን ንግዳያት እቲ ኲናት ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ኣብ ሓወልቲ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፎም ንምርኣይ ባንዴራታት ሱዳን፡ ኤርትራን ክልል ኦሮምያን ዝሓዙ ምንባሮምውን ንምጽብጻብ ዝተሳተፈት ወኪልና ሳራ ፍስሃየ ሓቢራ

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:06 0:00



XS
SM
MD
LG