ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊላደልፊያ -- ብሃንደበታዊ ተዅሲ ሽሞንተ ተመሃሮ ቆሲሎም


ፋይል
ፋይል

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ ብዝነበረ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘየንበሮም ሸሞንተ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ምቝሳሎም ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ። ኮሚሽነር ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ግዳይ’ቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ተመሃሮ ድሕሪ ትምህርቶም ኣውቶቡስ እናተጸብዩ ዘጋጠሞም’ዩ። ሓደ ካብቶም ግዳያት ትሽዓተ እዋን ከም ዝተሃረመን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዘሎን ክፍለጥ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰለስተ ሰባት፡ ካብ መኪና ወሪዶም ሃንደበት ልዕሊ 30 ጠያይት ምትኳሶምን ነቶም ተመሃሮ ከም ዝሃረሙዎምን ፖሊስ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ትማሊ ረቡዕ ሃንደበታዊ ተዅሲ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ውሑዳት መዓልታት’ውን ምግጣሙ ፖሊስ ኣመልኪቱ።

መበገሲን ዕላማን እዚ ትማሊ ረቡዕ ዘጓነፈ መጥቃዕቲ ፖሊስ ዛጊት ኣይሓበረን። እንተዀነ ንፈጸምቲ በደል ኣብ ፍርዲ ንምቕራብን ንምሓዝን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG