ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግዕዝይና ዝተረኽበ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ካብ ቅፅዓት ኣየምልጥን ኢሎም ኣቶ ተድሮስ ሓጎስ


ውግእ ፀረ-ግዕዝይና ዘየቓርፅ ምኻኑ'ውን ጠቂሶም

ብዙሕ ዕድል ስራሕ ፈጢርና ኢና ዝብሉ ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ ትካላትን ማሕበራትን ናብ ናይ ስራሕ ተኮር ትካላት ንክኾኑ ሰፊሕ ስራሕቲ ይመቻቾ ኣሎ ኢሎም።

ፀገም ግዕዝይና ብዝምልከት ክዛረቡ ከለው ልምዓታዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ኩሉ-ሻዕ ሓደጋን እናተቓለስካዮ ክኽየድ ዝግባእ ምኻኑን ግን ግዕዝይና ጠቅሊሉ ኣየጋጥምን ክባሃል ኣይካኣልን ኢሎም።

ወሲኾም ኣብ ግዕዝይና ተኣሊኹ ዝርከብ ዝኾነ ሰብ ንሰበ-ስልጣን ሓዊሱ ዝግበኦ ቅፅዓት ክረክብ ምኻኑ ጠቂሶም።እንይተኾነ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ገምጋም ኣብ ዝላዓለ ስልጣን ተቐሚጡ ኣብ ግዕዝይና ተኣሊኹ ዝተረኽበ ሰብ ዘይምህላው ሓቢሮም።

ናብራ ከተመታይ ንክማሓየሽ ንኩሎም ዕድላት ፀንቂቅካ ንምግምጋም ስራሕ ንምፍጣርን ፃዕርታት ይግበሩ ኣለው ይብሉ ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ።

ብዛዕባ መስኖ ክዛረቡ ከለው ሓደ ስድራ ኣብ ዓመት ክልተ ሻዕ ዘፍርየሉ ኩነታት ንክህሉ ተባሂሉ ዝነበረ ሸቶ እውን ብመሰረት እቲ ውጥን ናይ ትግራይ ካብ'ቲ ካልእ ክልላት ዝላዓለ'ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG