ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርኣይ ዝሰአኑ ንስነ-ጥበብ ከዕዘቡ ዝሕግዝ መሳርሒ ተማሂዙ


ኣብ ዓለም ኣስታት 285 ሚሊዮን ምርኣይን ምስማዕ ዝተሳኣኖምን ሰባት ኣለው። እዞም ሰባት ኣብ ቤተ መዘክራትን ኣትዮም ብዓይኒ ዝርአ ውጽኢት ስነ ጥበብን ክዕዘቡን ከሰተማቕሩን ኣይክእሉን እዮም። ነዚ ዝተዓዘበ ሓደ ሰኣላይ ፎቶግራፍ ኣብ ኒውዮርክ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ይፍትን።ምርኣይ ዝሰአኑን ውጽኢታት ስነ-ጥበብ ክድህስሱ ክዕዘቡ ዘኽእል መሳርሒ ምሂዙ።

ሮሚዮ ኤድሚድ ወዲ ክልተ ዓመት ኸሎ’ዩ ናይ ዓይኑ ብርሃኑ ዝስኣነ፡ምሉእ ናብራ ካብ ምምራሕ ዝዓገቶ ነገር ግን የለን።ናብ ኮለጅ ኣቲዩ ብጋዜጠኝነት ሰልጢኑ ብዛዕባ ከተማ ኒው ዮርክ ብድምጽን ቪዲዮን ፖድካስት ይፍኑ።ንካልኦት ስምዒት ኣካላቱ ተጠቒሙ ንህይወት የስተማቕራ።

ንሱ ብተወሳኺ ከምዚ ይብል።

‘ንስፖርት ዝለዓለ ፍቕሪ ኣለኒ።ኩዕሶ እግሪ(ናይ ኣሜሪካዊያን)ኣዚየ እየ ዝፈቱ።ንስፖርት ብድምጺ እየ ዘስተማቕሮ።”

ኣብ ኒው ዮርክ ንዝርከቡ ብሉጽ ውጽኢታት ስነ ጥበባት ከስተማቕሮ ግን ኣይኽእልን።ኣብ ሓደ እዋን ምስ ኣዲኡ ብምዃን ንሓደ ቤተ-መዘክር ንምዕዛብ ኣብዝኸደሉ እዋን ዘጋጠሞ ከምዚ ክብል ይዝክሮ።

‘ዘወርወር ኢለ ንሓደ ነገር ክትንክፍ ጀመርኩ።ብሃንደበት ደወል ጻውዒት ሓደጋ ተወሊዑ ሓላዊ’ቲ ቤተ መዘክር መጺኡ ይሕዘኒ ኣደይ ነቲ ኩነታት ከተረድእ ብዙሕ ከምተጸገመት ይዝከረኒ።’

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሳላ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ቤተ-መዘክራት ዘለው ስእልታት ኣብ ጎኖም ወይ ኣብ ጥቕኦም 3D ምስሊ ዝተዳለወ ተሰቒሎም ክርኣዩ ክኽእሉ’ዮም። ምርኣይ ንዝሰአኑ ድማ በዚ ቴክኖሎጂ ስነ-ጥበብ ክዕዘቡ ከስተማቕሩን ክኽእሉ’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምርኣይ ዝሰአኑ ንስነ-ጥበብ ከዕዘቡ ዝሕግዝ መሳርሒ ተማሂዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG