ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠበቓታት ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ቃለ ምስክርነቶም ንኮሚተ ሰነት ኣሜሪካ ክህቡ ምኳኖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን(ፌስቡክ)ኣብ ጉዳይ ምትእትታው ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ብዘካየዶ ውሽጣዊ ምርመራ ብሩስያ ዝድገፉ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሑ 80,000 ጽሑፋት ን126 ሚልዮን ኣሜሪካዊያን ኣብ ውሽጢ ናይ ክልተ ዓመታት ጊዜ ምብጽሖም ይገልጽ።

እዚ ውጽኢት ምርመራ ዝተገልጸ ጠበቓታት ትዊተር፡ፌስቡክን ጎግልን ጓስጓስ ሩስያ ኣብ ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ጽልዋ ኔርዎ’ዶ ንዝብል ቃለ ምስክርነቶም ንኮሚተ ሰነት ሶሉስ ክህቡ ምዃኖም ኣብ ዝተፈልጠሉ እዋን’ዩ።

ጠበቓታት እዞም ትካላት ካብቶም ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016ን ምስ ምዕዋት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምትእትታው ኣለዎ’ዶ ንዝብል ምርመራ ካብ ዘኻይዱ ዘለው ሰለስተ አካላት ሓደ ንዝኾነ ኮሚተ ሰነት ቃለ ምስክርነቶም ከምዝህቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ምትእትታው ሩስያ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ከገልጹ ዝጸንሑ ኮይኖም ሰበስልጣን ኣሜሪካ’ውን ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ምትእትታው ከምዝነብራ ዘመልክት ነገር ከምዘየለ ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ጎግል ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ ብሩስያ ብዘይ ኣገባብ ካብ ዝተዘርግሑ 1,000 ምስ ሩስያዊያን ስነጥበባዊያን ዝተአሳሰር ቪድዮ ምኳኑን ኣስታት 4,7000 ዶላር ወጻኢ ከምዝተገብረሉን ይሕብር።

ፌስቡክ ብወገኑ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ መንግስቲ ሩስያ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ጉጅለታት ኣስታት ዋጋ 100,000 ዶላር ዝዋግኡ መወዓውዒ ኣብ ኣሜሪካ ኣፈላላይ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣብ ገጻት ፌስቡክ ምውጽኡ ሓቢሩ ኔሩ።

ፌስቡክ ነቲ መወዓውዒ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ከምዘቕርቦ ሓላፊ ስርሒታት ኣብቲ ትካል ሰርሊ ሳንድበርግ ዝገለጸት ኽትኸውን ከላ ንህዝቢ ቅሉዕ ክኸውን ኣብ ዝብል ሓሳብ እውን ከምትሰማማዕ ኣፍሊጣ’ላ።

ንሳ ብተወሳኺ እቲ ትካል ነዚ መሰል መወዓውዒ ዝኸታተሉ ተወሰኽቲ 4,000 ሰራሕተኛታት ክቆጽር ምኳኑን ንናይ ሓሶት ናይ ፌስቡክ ገጻት ዘለልይ መስርሕ’ውን ይተኣታተው ምህላው ሓቢራ።

ትዊተር ብወገኑ ምስ መንግስቲ ሩስያ ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎ 2,752 ገጻት ደው ምባሉ ገሊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ ካብ ናይ ሩስያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ገጻቱ ዝወጹ ዝነበሩ መወዓውዒ ደው ምባሉ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG