ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ወረዳ ደዌ ዝርከቡ መምህራን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ምክያዶም ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶም ዝሃቡ መማህራንን ማህበር መማህራን’ቲ ወረዳን ሓቢሮም። መንግስቲ’ቲ ክልል ግን ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ’ሎ።
እቶም መማህራን ክፍሊት ደሞዝ ብምድንጓዩን ካልእ ክኽፈል ዝግባእ ጥቕሚ ኣይተኸፈለናን ብምባል ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ምክያዶም ኣመልኪቶም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ወረዳ ሳርማሌ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 66 መማህራን ምፍትሖም ናይቲ ዞባ ማሕበር መማህራን ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ኣቦ መንበር’ቲ ማህበር ኣቶ ተስፋዬ ጨባጮ እቶም መማህራን ዝተኣሰሩ ደሞዞም ብዘይ ፍቓዶም ምቁራጹን ብሰንኩ ድማ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብምክያዶምን ምኻኑ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ወረዳ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ መማህራን ምፍትሖም ብምርግጋጽ ኣብ ማእሰርቲ እንከለዉ ተሃሪሞምን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ተነፊጎኦምን ንዝብል ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቦምሉ።
ማሕበር መማህራን ክልል ደቡብ ብወገኑ እቲ ዝተቖረጸ ደሞዝ መማህራን ክምለስ ምስ ማሕበር መምህራን’ቲ ዞባን ምምሕዳር’ቲ ክልል ይዘራረብ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ።
እቶም መማህራን ብወገኖም ዝተቛረጸ ደሞዝ ከይተመለሰን ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላት ዝምልከት ፈጸምቲ ኣባላት ናብ ሕጊ ከይቀረቡ ዘቋረጽዎ ናይ ምምሃር መስርሕ ከም ዘይቕጽሉ ሓቢሮም ኣለዉ።
ቅጥዒ