ባህርዳር —
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ጎንጂ 13 መማህራን ቀዳማይ ቤ/ትምህርቲ ኮሬ ብዕጡቃት ፋኖ ከምዝተጨወዩ ስድራቤቶም ገሊጾም።
ብሰንኪ ንደሕንነቶም ምስጋእ ስሞም ክዕቐበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት መስርሕ ትምህርቲ ካብ ዝጅምር ሓደ ወርሒ ከምዝኾኖ፣ እቶም መማህራን ቅድሚ መዓልታት ናብ ስርሖም ምስ ወፈሩ ዕጡቃት ፋኖ ንበረኻ ሒዞሞም ከምዝኸዱ ይሕብሩ።
እቶም ዕጡቃት ቅድሚ ሎሚ ናብ ቤ/ትምህርቲ ዝወፍሩ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ይቀጽዑ ከምዝነበሩ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ካብ ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎንጂ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ቅጥዒ