ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መቐለ ማእኸል ሕክምና ሕማም ዓባይ ሳዓል (TB) ብሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ይህነፅ’ሎ


ኣብ መቐለ ማእኸል ሕክምና ሕማም ዓባይ ሳዓል (TB) ብሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ይህነፅ’ሎ

እቲ ማእኸል ብፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዝካየድ ትልሚ ህፁፅ ሓገዝን ተራድኦን ኤይድስን (PEPFAR) ዓለምለኸ ማእኸል ትምህርትን ስልጠናን (I-TECH) ብምትሕግጋዝ እዩ ብኣስታት 12 ሚልዮን ቕርሺ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል መቐለ ዝህነፅ ዘሎ።
ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ፈፃሚት ጉጅለ (Case Team) ምክልኻል ሕማማት ወ/ሪት ፅገ ማርያም ተኽሉ “ዓመታዊ 11 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሕማም ዓባይ ሳዓል ኣብ ዝጥቅዑላ ትግራይ እቲ ማእኸል ምህናፁ ኣድላይነቱ ዝላዓለ እዩ” ይብላ።


ብፍላይ ምስ መድሓኒት ዝተላመደ ሕማም ዓባይ ሳዓል ንምክልኻል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብ ጎንደርን ጥራሕ ሕክምና ይዋሃብ ምንባሩ ተገሊፁ’ሎ።
ብመሰረት መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ኢትዮዽያ ኣፍተን ብሕማም ዓባይ ሳዓል ብዝኸፈአ ዝጥቅዓ ሃገራት ኣብ መበል ሻምናይ መደዳ ትርከብ። ካብ ኣፍሪካ ድማ ሳልሰይቲ እያ።
ብተወሳኺ ምስ መድሓኒት ዝተላመደ ዓይነት ሕማም ዓባይ ሳዓል ካብ ዘጥቅዐን 27 ሃገራት ዓለምና ኢትዮዽያ መበል 15 ብርኪ ሒዛ ትርከብ።
እቲ ኣብ ውሽጢ መረባ ሆስፒታል መቐለ ዝህነፅ ዘሎ ማእኸል ሕክምና ህንፀቱ ናዓመታ ለካቲት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG