ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ንናይ ኣቶ ታየ ደንደኣ ዘይምኽሳስ መሰል ኣልዒሉ


አቶ ታዬ ደንደኣን
አቶ ታዬ ደንደኣን

ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንምክትል ሚንስተር ሰላም ኣቶ ታየ ደንድኣ ናይ ዘይምኽሳስ መሰሎም ኣልዒሉ።

በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ በቲ ውሳነ ምሕዛነን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፀን።

ካብ ትማሊ 10 ለካቲት 2016 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዳማ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ዘሎ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ(ጨፌ ኦሮሚያ) ብ439 ደገፍ ድምፅን 14 ድምፀ ተዓቅቦን ነቲ መሰል ዘይምኽሳስ ምልዓሉ ናይቲ ክልል መራኸቢ ብዙሃን ፀብፂቡ።

ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኩዩ ተመሪፆም ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ዝነበሩ ምክትል ሚንስተር ሰላም ኣቶ ታየ ደንድኣ "ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰላም ሓይልታት ብምትሕብባር ንተልእኾ ጥፍኣት ብሕቡእ ክሰርሑ ከለው ተበፂሑዎም’’ ብዝብል ተጠርጠሮም ብሓይልታት መንግስቲ ኣብ 2 ታሕሳስ 2016 ኣብ ቐይዲ ኣትዮም።

ኣቶ ታየ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ብፖሊስ እንተተኣሰሩ እውን ዛጊት ቤት ፍርዲ ዘይምቕራቦም ዝገለፃ ብዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ስንታየሁ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ምሕዛነን ተዛሪበን። ምስ ጠበቓ ከይራኸቡ ከምዝተኸልከሉ ቅድም ክብል ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፀን ነይረን።

ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ምስ ጠበቓ ምርኻብ ከምዘይፈቅድ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ከምዝተገለፀለን እውን ወይዘሮ ስንታየሁ ሓቢረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG