ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቐይዲ ዝርከቡ ም/ሚንስተር ሰላም ኢትዮጵያ ንዝቐረበሎም ክሲ ምሃዝ ዘይሕጋዊ ብረት ነጺጎም


ምኽትል ሚንስተር ሰላም ዝነበሩ ኣቶ ታየ ደንዳኣ - ፋይል
ምኽትል ሚንስተር ሰላም ዝነበሩ ኣቶ ታየ ደንዳኣ - ፋይል

ምኽትል ሚንስተር ሰላም ዝነበሩ ኣቶ ታየ ደንዳኣ፣ ‘ዘይሕጋዊ ብረት ሒዞም ተረኺቦም’ ንዝብል ዝቀረቦም ክሲ ኣብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ግብረ መልሲ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።

ኣቶ ታየ ነቲ ዝቀረቦም ክሲ ብምንጻግ ብረት ዝሓዙ ብፈቃድ መንግስቲ ከምዝነበረ ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጾም። ጭብጢ ንምቅራብ ቆጸራ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ኣቶ ታዬ ብዋሕስ ንክፍትሑ ዝሓለፈ መስከረም ሓቲቶም ነይሮም ቤት ፍርዲ ግና ንሕቶኦም ምንጻጉ ይዝከር።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ምኽትል ሚንስተር ሰላም ታየ ደንደኣ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝነቅፍ ጽሑፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ድሕሪ ምጽሓፎም እዩ።

ፖሊስ’ታ ሃገር ብወገኑ ንታዬ ደንዳኣ ምስ ንኢትዮጵያ ክሕምሱ ዝሰርሑ ጉጅለታት ተሓባቢሮም፣ ዝጥቀምሉ ማሕበራዊ ሚድያ ንህውከት ኣውዒሎምዎ ክብል ይኸሶም።

ታሕታዋይ ቤት ፍርዲ፣ ንኣቶ ታዬ ደንዳኣ ካብ’ቶም ክሲታት ብገሊኦም ናጻ ገይርዎም፣ ብዛዕባ ምውናን ብረት ግና ክማጎቱ ኣዚዙ እዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG