ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓዋሚ ሰልፊ ታንዛንያ፡ ሕገ-መንግስቲ ንምምሕያሽ ኣድማ ይገብር


ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን
ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን

ናይ ታንዛንያ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝዀነ ቻደማ፡ ስልጣን ፕረዚደንት እታ ሃገር ክጐድልን ኣብ መስርሕ ምርጫ ድማ ምምሕያሽ ክግበርን ዝጽውዕ ዝዓበየ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ ረቡዕ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ነቲ ቕድሚኣ ዝነበረ ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ተንቢሩ ዝነበረ ምኽልካል ኣድማ ድሕሪ ምልዓላ’ዩ እዚ ናይ ዳሬሰላም ዝዓበየ ሰለማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ።

ሰልፊ ቻደማ ናብቲ ኣብ 1977 ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ ነዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ከም ዘየስርሕን ምምሕያሽ ከም ዘድልዮን ይገልጽ። እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ታንዛኒያ ብሓደ ሰልፊ ትመሓደረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ዝጸደቐ’ዩ።

ኣብ 2015 ንሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝተገብረ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ ሮይተርስ ይጠቅስ።

ንዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ፡ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ደጊማ ክትወዳደር ምዃና ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG