ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ዝተዘምተ ቅርስታት ንምምላስ ኣንፈት ትህብ


ፋይል
ፋይል

ሓያሎ ካብ ግዜ ሮማዊን ካልእ ታሪኻዊን እዋናት ዝተኣከቡ ሃገራዊ ቅርስታት ኢጣልያ ተሰሪቖም፡ ኣብ በበይኖም ቤተ-መዘከራት ዓለም ይርከቡ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኢጣልያ ብዛዕባ’ቲ ሰፊሕ ዝምታ ሃገራዊ ቅርስታት ከማርሩ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ ግን እታ ሃገር ካብ ካልእ ግዝኣታት ነበር ዝወስደቶ ኣብ ምትሕስሳብ ኣትያ ኣላ።

በዓልቲ ሞያ ስነ-ሰብ ጂያ ደልፊኖ ካብ ሊብያ ብዝተረኽበ ጡጥ፣ ካብ ኤርትራ ብዝመጽአ ፍረ ሱፍ፣ ከምኡ’ውን ካብ ሶማል ዝተኣከበ ባልደንጓ ክትፍትሽ ትርአ።

ደልፊና፡ ሓንቲ ካብቶም ን498 ኣብያተ-መዘከር ኢጣልያ ንምድህሳስ ዝሰርሑ ዘለዉ ጕጅለ ተመራመርቲ’ያ። እቲ ዕላማ እቶም ኣብያተ-መዘከር እንታይ ዓይነት ንብረት ሒዞም ከም ዘለዉ ንርኣይ’ዩ።

እቶም ኣብያተ-መዘከር፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ብጎንጺን ብዘይ ግቡእ ኣገባብን ዝተኣከቡ ንብረት ክሕዙ ከም ዘይብሎም ተረዲኦም ኣለዉ።

ኣንድሪያ ቪሊያኒ፡ ዳይረክተር “Museum of Civilizations” ዝተሰምየ ቤተ-መዘከር’ዩ። ኢጣልያ ኣብዚ መዳይ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድሒራ ምህላዋ ዝሓበረ ቪሊያኒ፡ ሃገሩ ግዳይ ስርቂን ካብ ካልኦት ሃገራት ድማ ዘማቲትን ከም ምዃና ፍሉይ ተርእዮ ምዃኑ ይነግር።

እዚ ብኣብያተ-መዘክር ኢጣልያ ዝግበር ዘሎ ናይ ዳህሳስን ስራሕ ብዝቐደመ መንግስቲ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጂያ መሎኒ’ውን ድጋፍ ረኺቡ ኣሎ። ሰልፊ ጆርጂያ መሎኒ፡ ኣሰር’ቲ ሰፋሕቲ ራስያታት ከም ዘካየደ ዝንገረሉ በኒቶ ሙሰሊኒ ዝኽተል ዓቃባዊ መስመር’ዩ።

በኒቶ ሙሰለኒ ግዝኣት ኢጣልያ ንምስፋሕ ዝሰርሐ ፋሺሽታዊ መራሒ’ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ምስፋሕ ውጥኑ ድማ ብቐንዱ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያን ሶማልን ከምኡ’ውን ኣልባኒያ ኣሰራት ገዲፉ’ዩ።ምስ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ግን እቲ ገስጋስ ተገቲኡ። ማዕረ’ቲ ናይ ምስፋሕ መደብ ካብተን ግዝኣታት ዝነበራ ሃገራት ሓያሎ ንብረት ተዘሪፉ ንኢጣልያ ምምጻኡ ይሕበር።

ሕጂ ብሰብ-ሞያ ዝግበር ዘሎ ዳህሳስ ንሚኒስትሪ ባህሊ እታ ሃገር ዝርከብ’ዩ። እቲ ሚኒስትሪ ድማ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት ምርኢት ክግበር መደብ ሒዙ ኣሎ።

ስራሕ እዞም ዳህሳስ ዝግበሩ ዘለዉ ሞያውያን ኣየናይ ንብረት ካበይ ተረኺቡ ንምንጻር’ዩ። ድሕሪኡ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ድዩ ወይስ ኣይምለስን ግን ንኻልእ ኣካል ዝግደፍ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ካብ መንጎ ብዙሓት፡ ገለ ኣብያተ-መዘከራት ግን ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ይግበሩ ኣለዉ። Museum of Civilizations ዝተሰምየ ቤተ-መዘከር፡ ኢጣልያ ኣብ ምእካብ ዝተዘምተ ንብረት ዝገበረቶ ጸሊም ታሪኽ ብፍሉይ ኣጕሊሑ ዘርኢ ምርኢት ንወርሒ ሰነ ኣብ ምድላው ይርከብ። እቲ ምርኢት ብቐንዱ ንጸሊም ታሪኽ እታ ሃገርን ኣብ ካልእ ዘውረደቶ ግፍዒን ዘርኢ’ዩ።

ኢጣልያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ብቐንዱ ዝተወዓውዐ ምምላስ ዝተዘምተ ታሪኻዊ ንብረት ሕጂ’ያ ትሕወሶ ዘላ። እታ ሃገር ንባዕላ ግዳይ ዝምታ ስለ ዝጸንሐት ግን ኣብዚ መዳይ ሓያሎ ኣምሊሳስ ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ንዕኡ ጥራይ ዝሕዝ ቤተ-መዘክር ከፊታ ኣላ።

ዝተዘምተ ንብረት ቅርሲ ናብ ዋናታቱ ኣብ ምምላስ ዝተበገሰ ወፍሪ፡ ቫቲካን’ውን ተሓዊሳቶ ኣላ።

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ናብ ግሪኽ ዝመለሰቶ ጥንታዊ እምነ-በረድ ሓደ ናቱ መርኣያ’ዩ። ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ’ውን፡ ነቲ መስርሕ ምምላስ ብምድጋፍ፡ “እቲ ሻውዓይ ትእዛዝ ዝተሰርቀ ንብረት ናብ ዋናኡ ምለስ’ዩ ዝብል፡” ክብሉ ገሊጾም።

ኢጣልያ ኣብ 2005 ካብ ኣኽሱም ዝተዘምተ ዓቢ ሓወልቲ ምምላሳ ይዝከር። ሕጂ ድሕሪ ዳህሳስ እትወስዶ ስጕምቲ ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ’ዩ።

XS
SM
MD
LG