ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ደራሲ 'ዕላል ክልተ ምርጫታት' ኣቶ በረከት ስምኦን ዝተካየደ ቃለ-መጠይቅ


ካልኣይ ክፋል

ኢህወደግ ካብ‘ቲ ናይ 1997 ሃገራዊ ምርጫ ኣዝዩ ብዝተፈለየ መንገዲ፣ኣብ 2002 ልዕሊ ቴስዓ ሚእታዊ መናብር ዝተዓወተ፣ፖለቲካዊ ባይታ ስለዝፀበበ፣ተቃወምቲ ብማዕረ ክንቀሳቀሱ ስለዘይካኣሉ‘ዩ ዝብሉ ነቀፋ ይስምዑ።መልሶም እንታይ‘ዩ ኢሎናዮም ኣቶ በረከት ”እዚ ጌጋ‘ዩ።መጀመርያ ቁጠባዊ ባይታ ተቀይሩ።ስለዚ ንተስፋ ምቁራፅ ጥጡሕ ዝነበረ ጠንቂ ተቀይሩ።ካልኣይ ህዝቢ ንመንነት ተቃወምቲ ሪኡዎ።ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ምርጫ ዝነበረ ጊዜ፣ተቃወምቲ ነንባዕልቶም እናተባኣሱን እናተፈናጨሉን ተራእዮም።ሳልሳይ ተቃወምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓዊቶም እናሃለው፣ስልጣን ኣይንርከብን ኢሎም ቅልውላው‘ዮም ፈጢሮም።ድሕሪኡ እዞም ተቃወምቲ ክጠልሙና‘ዮም ናብ ዝብል መደምደምታ‘ዩ ህዝቢ በፂሑ“ ይብሉ ኣቶ በረከት።

ወፃእተኛታት ብሓፈሽኡ ምዕራባውያን ድማ ብሕልፊ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮዽያ ብቀጥታ ዝነጥፍሉ ጊዜ ከምዝነበረ መፅሓፍ ኣቶ በረከት ስምኦን ይጠቅስ።እዚ ኩነታት‘ዚ፣ሉኣላዊነት ኢትዮዽያ ዘጠራጥር‘ዩ ዝብል ሰብ እንተገጠሞም መልሶም እንታይ‘ዩ ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ኣቶ በረከት ”መንግስቲ ኢትዮዽያ ንሉኣላዊነት‘ታ ሃገር ንምውሓስ፣ሰፊሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዝነበረ ዝጠቀሱ ኣቶ በረከት ስምኦን፣ቃልሲ ሉኣላዊነት ንምርግጋፅን ኢድ ምትእትታው ንምቅልባስን መንግስቲ ሰሪሑ‘ዩ ይብሉ።ባዓልኹም ትፈልጡ፣ኣይንቅበልን እናበልና፣ፅዕንቶታት እናነፀግና ዝኸድናሉ ኩነታት ከምዝነበረ ኣብ‘ቲ መፅሓፍ ብግልፂ ትሪኢ።ስለዚ ናይ ኢትዮዽያ ነፃነት ኣብ ዘጠራጥር ኩነታት ኣይኮነን ዘሎ" ኢሎም ኣቶ በረከት።

XS
SM
MD
LG