ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊባን: ንኣመሓዳሪ ሓደ ዞባ ኣፍጋኒስታንን 7 አባላት ፖሊስ ቐቲሉ


ፋይል
ፋይል

ጣሊባን ጋንዚ ኣብ ዝተባህለ ምምሕዳር ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባን 7አባላት ፖሊስ ምቕታሎም ተሓቢሩ።

ከቢድ ኣጽዋር ዝዓጠቑ አባላት ጣሊባን ኣብቲ መጥቓዕቲ ከምዝተሳተፉ ሰበ ስልጣን’ቲ ምምሕዳር ይገልጹ።

ሰበ ስልጣን’ቲ ምምሕዳር ብተወሳኺ ኣብ ዘካየድዎ ግብረ መልሳዊ መጥቓዕቲ 27 አባላት ጣሊባን ምቕታሎም ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ጣሊባን ብወገኑ20 አባላት ፖሊስ ምቕታሉን ሰለስተ ካብ ተቃለስቲ’ቲ ውድብ ምሟቶም ገሊጹ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ልዑኽ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 22,60ሲቪል ክቆስሉ ኸለው 763 ምሟቶም ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG