ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊባን ምሕጻር ጭሕሚ ደቂ-ተባዕትዮ ከልኪሉ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኣፍጋኒስታን፡ ምምሕዳር ጣሊባን፡ ደቂ-ተባዕትዮ ጭሕሞም ከየሕጽሩ፡ ከይላጽዩ ወይ ድማ ካልእ ቅርጽታት ከይወጽኡ ድሕሪ ምኽልካሉ፡ ካብ ዜጋታትን ሰብሞያ ስነ-ጽባቐ ጸጕሪን ተቓውሞታት ይስማዕ ከም ዘሎ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። መምርሒ ጣሊባን፡ ሰብኡት ካብ መምርሒ ሸሪዓ ከይወጽኡን ዝኽልክል’ዩ።

እዚ መምርሒ ብኽፍሊ ስነ-ምግባር እቲ ዞባ ዝወጽአ ኰይኑ፡ እቶም ካብ 2001 ዓ.ም. ኣትሒዞም ጭሕሞም ከም ድላዮም ከሕጽሩን ቅርጽታት ከውጽኡን ዝጸንሑ ዜጋታት ኣብቲ ዝወጽአ መምርሒ ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ክፍሊ ስነ-ምግባር እቲ ዞባ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ተሻሪኹ ብዛዕባ ብልጫታት ምንዋሕ ጭሕሚ ጎስጓስ ክገብር ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ እቶም ሰብሞያ ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ግን ነቲ መምርሒ ይቃወሙዎ ከም ዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከባ ክልተ ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ብዝተፈፀመ መጥቃዕታት ምስማም ኣስታት 80 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ተመሪዘን ሆስፒታል ከምዝኣተዋ ከባቢያዊ ሰበስልጣን ትምህርቲ ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

ጣሊባን ኣብ ነሓሰ 2021 ስልጣን ካብ ዝቆፃፀር ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ክፍፀም ንመጀመሪያ ግዜ ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ንላዕሊ ክምሃራ ኣይፍቀደለንን። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝበዝሕ ስራሕን ህዝባዊ ቦታታትን እውን ዝተኸልከላ እየን።

ሰበስልጣን ነቲ ምስማም ዝገበረ ሰብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝነበሮ እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከባ ምዃነን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG