ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መፅሓፍ ኣቶ በረከት ስምኦን ብዓይኒ ተቃወምቲ


መራሕቲ 7 ግንቦትን መድረክን ዝሃዝዎ ሪኢቶ

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ”እወ ነቲ መፅሓፍ ኣንቢበዮ‘የ።ሓቂ ንምዝራብ ብዛዕባ‘ቲ መፅሓፍ እንታይ ኢለ ሪኢቶ ክህብ ከምዝኽእል ኣይፈለጥን።ኣቶ በረከት ኣብ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ኢትዮዽያ ዝዛረቦም ሕሶታት፣ኣብ‘ቲ መፅሓፍ ካብ ምድጋም ዝሰገረ፣እቲ ማሕበረ-ሰብ ክማሃረሉ ዝኽእል፣ንሱ‘ውን እንተኾነ ነገራት ናበይ ኣንፈት ይጓዓዙ‘ለው ኢሉ ኣስተንቲኑ ዝፃሓፈ ኣይመስለንን” ኢሎም።

ኣቶ በረከት ስምኦን ኣብ መፅሓፎም ብዛዕባ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ክገልፁ ከለው ”መእሰሪ ኩሎም መደባት መንበረ ከንቲባነት ምዕታር ስለዝነበረ፣ቅንጅት ድዩ ቀስተ-ደበና፣መኢኣድ ድዩ ኢዴፓ ንድ/ር ብርሃኑ ናይ ቼዝ ፀፀራት‘ዮም” ይብሉ።ዶ/ር ብርሃኑ ስልጣን ከንቲባነት ብቆረፃ ንምሓዝን ናይ ውልቁ ድልየት ንምርዋይን‘ምበር፣ካብኡ ዝሓለፈ ሃገራዊ ራእይ ኣይነበሮን ተባሂሎም‘ዮ ዝግምገሙ ዘለው ዶ/ር ብርሃኑ ኣብ‘ቲ መፅሓፍ።

ብዛዕባኡ ተሓቲቶም “አቶ በረከት ሃገራዊ ራእይ ኣለኒ ኢሉ ካልእ ሰብ ግና ኣለዎ የብሉን ኢሉ ንክድምድም ሞራላዊ ብቅዓት ኣለኒ ኢሉ ይሓስብ እንተኾይኑ በይኑ ጥራሕ‘ዩ ዝሓስብ ዘሎ ኢለ‘የ ዝኣምን።ካብ‘ቲ መፅሓፍ‘ቲ ትረኽቦ ሓደ ነገር፣ሓሶት ክደጋገም ከሎ ንርእሴኻ ሓቂ መሲሉ ይራኣየካ‘ሞ ክትኣምኖ ትጅምር ዝብል‘ዩ።ናይ ሓሶት ዓለም ፈጢርካ ምምላኽ ትጅምር።ባዓል በረከት ዝርከቡሉ ሕማም ኣእምሮ‘ውን ንሱ‘ዩ ዝመስለኒ።” ኢሎም መሊሶም።

ኣብ ልዕሊ ”ዕላል ክልተ ምርጫ” ”ንመደራጉሕ ዝገትአ ሃገራዊ ጉያ” ሪኢቶኦም ንክህቡ ዝተዓደሙ ካልእ ጋሻና ምክትል ኣቦ-መንበር መድረክ ዶ/ር መረራ ጉዲና’ዮም።ሪኢቶኦም እንታይ‘ዩ ኢልናዮም
ዶ/ር መረራ “እቲ መፅሓፍ ብሓፈሽኡ ንክልተ ነገር ዝሓዘ ይመስለኒ።ቀዳማይ ርስሓት ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ኣደባባይ ብግልፅ ንምፅራይ ዝፈተነ፣እቲ ካልኣይ ድማ ብህዝቢ ኢትዮዽያ ስለዝተመረፅና፣ ኣይትጠራጠሩ፣ዝፈፀመናዮ ነገር የለን። ብህዝቢ ኢትዮዽያ ኢና ናብ ስልጣን መፂና ዝብል መልእኽቲ፣ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘይኮነስ እንተወሓደ ንካድረታቶም ዘሕለፈ‘ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG