ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ታይዋን ንውዕለት ኣመሪካ የመስግና


ኩነታት ደሴት ታይዋንን ቻይናን ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ናብ ኣመሪካ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸማ ፕረዚደንት ታይዋን ጸይ ኢንግወን፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ውሕስነት እታ ሃገር ዝተጻወቶ ተራ መጒሰን። እተን ንዋዕላ ደሞክራሲ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኣ’ሞ ኣብ ኒው-ዮርክ መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ታይዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ትሽዓተ እዋን መሸጣ ኣጽዋር ስለ ዘፍቀዱ እታ ሃገር ነብሳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ከተዕቢ ምኽኣላ ኣመልኪተን። እተን ፕረዚደንት ግን ዛጊት ምስ ፕረዚደንት ባይደን ብኣካል ኣይተራኸባን።

ቻይና ንመገሻ እተን ፕረዚደንት ብቐረባ ትከታተሎ ምህላዋ ኣመልኪታ። እተን ፕረዚደንት ምስ ኣፈ-ጉባኤ ኣመሪካ ኬቨን ማካርቲ ምስ ዝራኸባ መስመር ምጥሓስ ከም ዝሕሰብ ቻይና ኣጠንቂቓ ኣላ።

እተን ፕረዚደንት ረቡዕ ኣብ ኒው-ዮርክ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን ብደገፍቲ ደሴት ታይዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበርለን እንከሎ፡ ብኻልእ ገጽ ድማ ንቻይና ዝድግፉ ጕጅለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም።

XS
SM
MD
LG