ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንቅጥቃጥ መሬት ታይዋን 9 ሰባት ቀቲሉ፡ 900 ኣቝሲሉ


ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝተገልጸ፡ 7.4 ሬክተርስ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ታይዋን ድሕሪ ምግጣሙ፡ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም 900 ድማ ምቝሳሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

እቲ ንሓያሎ ህንጻታት’ውን ዘዕነወ ሓደጋ፡ ክሳብ ጃፓንን ፊሊፕነስን ዝኸይድ ነዝሪን ናይ ተጠንቀቕ ደውልን ንምስዳድን ምኽኣሉ ተፈሊጡ።

ዓሰርተታት ዜጋታት ብህይወት ምህላዎም እኳ እንተ ተፈልጠ፡ ብሰንኪ ፈሪሱ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ግን ንምብጻሖም ከም ዘይተኻእለ እቲ ዜና ይሕብር።

ኣብታ ንምንቅጥቃጥ መሬት ቅልዕቲ ምዃና ዝንገረላ ደሴት፡ ህንጻታት ንምስራሕ ልዑል ጥንቃቐን ከቢድ መንፊትን ስለ ዝሓልፍ፡ ነቲ ክውርድ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ከም ዘጕደሎ ክኢላታት ይሕብሩ።

ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ዝኸፍአ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ 1999 ዘጋጠመ 7.6 ሬክተርስ ዝዕቀን ኰይኑ፡ ኣብ እዋኑ 2,400 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG