ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታይዋን ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዓሌታዊ መጥቓዕቲ ኣይፈፀምኩን ኢላ


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ታይዋን ዝፍልፍል ዓሌታዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ይፍነው ኣሎ ኢሎም ንዘቕረቡዎ ክሲ ታይዋን ነፂጋቶ።

ንፈለማ ግዜ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲ ዓለምለኸ ጥዕና ይመርሑ ዘለው ኢትዮጵያዊያ ዶ/ር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ንሓደ ወርሒ መመላእታ ኣብ ማእኸል ለበዳ ኪቪድ-19 ኣብ ልዕሊኦም ዝተኻየደ ወፍሪ ፀለመ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ኣተኣሳሲሮምዎ ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንክስታት ዶ/ር ቴድሮስ ብትሪ ነፂጉዎ።

‘’ምዕቡላትን ዝለዓለ ዓወት ዘመዝገብና ስልጡናት ዴሞክራሲያዊ ሃገር ኢና፤ህዝብና ኣብ ልዕሊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ውልቃዊ መጥቓዕቲ ኣይፍፅምን፤ ዓሌታዊ ር እይቶታት'ውን ኣይፈነወን’’ ኢሉ ።

ታይዋን ኣብ ጥቓ ቻይና እትርከብ እንተኾነት እውን ነቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ኣቐድም ኣቢላ ብዝወሰደቶም ስጉምታት ብዓለምከኸ ማሕበረሰብ ዝለዓለ ናእዳ ረኺባ እያ።ታይዋን ብኪቪድ-19 ዝተለኽፉ 379 ዝሞቱ ድማ 5 እያ መዝጊባ።እታ ባዕላ እተመሓድር ዲሞክራሲያዊት ሃገር ብሰንኪ ናይ ቻይና ተፅዕኖ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለm ተኸልኪላ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG