ዋሽንግተን —
ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ክፍለ-ሃገራት ማለት ዕጡቓት ደቡብ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብውሑዱ 80 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት ብሉ ናይልን ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳን -- ሰሜን ወይ ድማ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ ቃላት (SPLM-N) ዝተባህሉ ወገናት ኢዩ ተኻዪዱ።
SPLM-N ነቶም ኣብ ሱዳን ዝዋጋኡ ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ኣንጻሮም ኰይኑ፡ ንጎቦታት ኑባ ዝቆጻጸር ካልእ ሓይሊ’ዩ።
ብሰንኪ’ዚ ኣብ መንጎ ክልተ ዕጡቓት ወገናት ዝተፈጥረ ዝደገሰ ጎንጺ፡ ናብ ደቡብ ኮርዶፋን ዝኣቱ ዝነበረ ውሑድ ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን ከም ዝተሰናኸለ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣሎ።
ሱዳን ኣቐዲማ’ውን ብሓያሎ ውሽጣዊ ቅልውላውን ሕጽረት ቀረባትን ክትሳቐ ዝጸንሐት ኰይና፡ ድሕሪ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ውግእ ሓድሕድ ግን ንኣስታት 26 ሚልዮን ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚሙዋ ኣሎ።
ቅጥዒ