ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሶርያ ንስትራቴጂካዊት ከተማ ሓማ ምቍጽጻሮም ኣፍሊጦም


 ነበርቲ ኣለፖ ካብቲ ቦታ እንደሃደሙ 4 ታሕሳስ 2024.
ነበርቲ ኣለፖ ካብቲ ቦታ እንደሃደሙ 4 ታሕሳስ 2024.

ብበሽር ኣልኣሰድ ንዝምራሕ መንግስቲ ዝቃወሙ ዕጡቓት፡ “ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም፡” ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጽዑቕ ኲናት ንስትራቴጂካዊት ከተማ ሓማ ሎሚ ሓሙስ ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጾም። መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን።

ኲናት ሶርያ ኣብ 2011 ካብ ዝጅምር ንደሓር ከተማ ሓማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ’ያ ጸኒሓ።

ብቱርኪ ከም ዝድገፉ ዝፍለጡ ጥምረት ሚሊሻ “ሓያት ኣልታሕሪር ኣል-ሻም” ብሃንደታዊ መጥቃዕቲ ንከተማ ኣለፖ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኣብ ሓጺር እዋን ጸብለልታ ኣመዝጊቦም ኣለዉ።

ኣብ 2016 ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝገበሩ ዕጡቓት ጉጅለ፡ ኣብ እዋኑ ካብ ሩስያ ብተረኽበ ሓያል ድጋፍ’ዮም ካብቲ ዝተቖጻጸሩዎ ስፍራታት ክስሕቡ ተገዲዶም። ሕጂ መሓዙት ኣሳድ ብገዛእ ጉዳያቶም ኣብ ዝተታሕዙሉ እምበኣር’ዩ ዕርዲ ምክልኻሉ ላሕሊሑ ዘሎ።

ካብ ርእሰ-ከተማ ደማስቆስ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ወይ ድማ 125 ማይላት ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ሓማ፡ ድሕሪ ምትሓዛ ምምሕዳር ባሽር ኣልኣሰድ ካብ መዝነቱ ንምእላይ ዓቢ ገስጋስ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢ ከም ዝተመዛበሉ ኣሶሽይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG