ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶርያን ቱኒዝያን ድሕሪ 10 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ኣሓዲሰን


ፋይል- ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድ
ፋይል- ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል ኣሳድ

ሶርያን ቱኒዝያን ድሕሪ 10 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ኣሓዲሰን።ቱኒዝያ ኣብ ደማስኮ ሓዲሽ ኣምባሳደር ድሕሪ ምምዛዛ፡ ሶርያ ኣብ ቱኒዝያ ኤምባሲ ከም ትኸፍት ኣፍሊጣ`ላ።

ነዚ ዘረጋግጽ ብሚንስትሪታት ክልቲአን ሃገራት መግለጺ ወጺኡ`ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ድሕሪ`ቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ምሕዝነት ኣብቲ እዋን ስጉምቲ ከም ዘርኣየ ይግለጽ።

ድሕሪ`ቲ ኣብ 2011 ኣብ ሶርያ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቲ ባሻር ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ተቓውም ዘልዓሉ ሰለማውያን ሰባት ጨካን ስጉምቲ ወሲዱ ብዝብል ሶርያ ዳርጋ ብዓረባዊ መንግስታት ተገሊላ`ያ ጸኒሓ።

XS
SM
MD
LG