ዋሽንግተን —
ሓዲሽ መንግስቲ ሶርያ ንሸሞንተ ቀልጢፈን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ ኣብታ ሃገር ዝኸፈታ ሃገራት ኣመስጊኑ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ቅጽበታዊ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ንፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ድሕሪ ምዕላዎም`ዩ።
እቶም ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ተባሂሎም ዝጽውዑ እስላማዊ ዕጡቓት ጉጅለ ነታ ሃገር ክሳብ መጋቢት ዝመርሓ ግዚያዊ ቀዳማይ ሚንስተር መዚዞም ኣለዉ።
እቲ ሓዲሽ መንግስቲ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንግብጺ፡ ዒራቕ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ባሕሬን፡ ዖማን ከምኡ ኢጣልያ ዲፕሎማሲያዊ ስርሐን ብምቕጻለን ኣመስጊኑ።
ቐጠር ብወገና ኢምባሲኣ ኣብ ቀረባ ኣብ ደማስቆ ከም ትኸፍት ኣፍሊጣ`ላ።
በቲ 13 ዓመታት ዝወሰደ ኵናት ሕድሕድ ሶርያ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህይወት ክጠፍእ ከሎ፡ ኣስታት 6- ሚልየን ንወጻኢ ሃገራት ከም ዝተሰደደ፡ ፍርቂ ህዝቢ`ታ ሃገር ድማ ከም ዝተፈናቐለ ይግለጽ።
ቅጥዒ