ፕረዚደንት ሶርያ ባሽር ኣል-ኣሳድ፣ንሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝዕድም ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ተረቂቁ ናብ ረፈረንደም ህዝቢ ክቀርብ‘ዩ ኢሎም ቃል ከምዝኣተው ምንስትር ወፃኢ ሩስያ ገሊፆም።
ምንስትር ወፃኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ መግለፂኦም፣ሚስተር ኣሳድ ንስልጣን ጉጅለ ተዓዘብቲ ሊግ ዓረብ ከሐይሉን ምስ ተቃወምቲ ክላዘቡን ቅሩብነቶም ኣርእዮም‘ዮም ይብሉ።
ፕረዚደንት ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየሉሉ ወቅቲ፣ ንልዝብ ቅሩባት ኣይኮናን ኢሎም ሓንጊዶም‘ዮም ተቃወምቲ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፈረንሳ፣ጣልያንን ስዻኝን ነቲ መጥቃዕቲ ተቃዊመን ኣምባሳደረን ካብ ሶርያ ስሒበን‘ለዋ።
ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ናብ ረፈረንደም ንክቀርብ'ውን ወሲኖም