ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶርያ ምስ ተቃወምቶም ንምዝርራብ ቅሩብነት ኣርእዮም


ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ናብ ረፈረንደም ንክቀርብ'ውን ወሲኖም

ፕረዚደንት ሶርያ ባሽር ኣል-ኣሳድ፣ንሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝዕድም ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ተረቂቁ ናብ ረፈረንደም ህዝቢ ክቀርብ‘ዩ ኢሎም ቃል ከምዝኣተው ምንስትር ወፃኢ ሩስያ ገሊፆም።

ምንስትር ወፃኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ መግለፂኦም፣ሚስተር ኣሳድ ንስልጣን ጉጅለ ተዓዘብቲ ሊግ ዓረብ ከሐይሉን ምስ ተቃወምቲ ክላዘቡን ቅሩብነቶም ኣርእዮም‘ዮም ይብሉ።

ፕረዚደንት ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየሉሉ ወቅቲ፣ ንልዝብ ቅሩባት ኣይኮናን ኢሎም ሓንጊዶም‘ዮም ተቃወምቲ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፈረንሳ፣ጣልያንን ስዻኝን ነቲ መጥቃዕቲ ተቃዊመን ኣምባሳደረን ካብ ሶርያ ስሒበን‘ለዋ።

Recommended

XS
SM
MD
LG