ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ዒላማታት ከሚካላዊ ኣጽዋር ሶርያ መጥቃዕቲ ፈጺመን


ብኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝተቐናበረን ኣብ ዒላማታት ከሚካላዊ ኣጽዋር ሶርያ ዘተኮረን መጥቃዕቲ ሎሚ ቀዳም ወጋሕታ ተፈጺሙ።

እቲ መጥቃዕቲ ብ100 ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ኣብ ደማስቆስ ርእሰ ከተማ ሶርያን ሖምስ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከተማን ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ከሚካላዊ ኣጽዋራት ከምዝተኻየደ ድማ ተፈሊጡ


እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ኣቐዲሙ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተተንቢሁ ዝነበረ ይኹንምበር: መዓስን ኣበየኖት ዒላማታትን ዘተኮረ ከምዝኸውን ግን ከይተገልጸዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ነዚ መጥቃዕቲ ዝወሰዳ: ከም ግብረመልሲ ናይቲ መንግስቲ ሶርያ ኣብ ሶርያዊት ከተማ ዱማ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ከሚካላዊ ኣጽዋር ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረዛ መይ እቲ መጥቃዕቲ ስርዓት ምቕያር ዝዓለመ ዘይምዃኑን ንመንግስቲ ባሻር ኣሳድ ናይ ሶርያ ተመሳሳሊ ከሚካላዊ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ዓቕሙ ንምድኻምን ንምኽልካልን ከምዝኾነ ኣረዲአን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ ከሚካላዊ ኣጽዋር እናተጠቀምካ ንቡርነት ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና ድሕሪ ምባል ጭብጥታትን ሓላፍነትን መንግስቲ ሶርያ ከምዘየማትኡ ገሊጹ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጂም ማቲስ ብወገኑ እቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንሕጂ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቃስ ተወሳኺ ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘለዎ ድማ ኣብሪሁ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ድሕሪቲ ሎሚ ቀዳም ወጋሕታ ብኣመሪካ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ- ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ናይ ደገፍን ተቓውሞን መግለጺታት ይወሃበሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG