ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራሞፕ ኣብ ሶርያ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ከምዝትህብ ኣፍሊጦም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሶሪያ ተፈፂሙ ንዝተባሃለ መጥቓዕቲ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ‘’ኣሰቃቒ’’ ክብሉ ብምኹናን ኣሜሪካ እትህቦ ግብረ መልሲ ካብ 24 ክሳብ 48 ስዓታት ዓብዪ ውሳነ ከፍልጥ እየ ክብሉ ሎማ ሶኑይ ገሊፆም።

ትራምፕ ምስ ካቢንኦም ድሕሪ ምርኻቦም ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወስድ ሶሪያ፣ሩሲያ፣ኢራን ወይ ኩሎም ብሓባር ዝሕተቱ እንተኾይኖም ኣሜሪካ ክትረኽቦ እያ፤ “ኣዚዩ ከቢድ ከቢድ ነገር ኢና ንሪኢ ዘለና’’ኢሎም።

ቅድም ክብል ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ምክልኻል ጂም ማቲስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ወታደራዊ ስጉምቲ ክትወሰድ ከምዝኽእል ምልክት ሂቦም ኣለው።

ሎማ ሶኑይ ምስ ናይ ኳታር ሸኽ ታሚን ቢን ሓማድ ኣል-ታኒ ኣብ ፔንታጎን ኣብዝተራኸብሉ እዋን ‘’ቅድሚ ኩሉ ክንሪኦ ዘለና ኩሎም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንክውገድ መረጋግፂ ዝሃበት ሩሲያ እናሃለወት ሕዚ እውን ስለምንታይ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዘሎ እዩ’’ ኢሎም ማቲስ።

ማቲስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ሃገሮም ምስ መሻርኽትና፣ኔቶ ኳታርን ካልኦትን ክተሰርሕ እያ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG