ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ሶርያ ካበይ ናበይ


ህውከት ሶርያ
ህውከት ሶርያ
መንግስቲ ሶርያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተጠቂሙ ዝብል ዘይተጋገፀ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ኣሜሪካ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍፅም‘የ ምባላ ነቲ ውጥረት ዘይተፈለዮ ዞባ ናብ ጠርዚ ረስኒ ኣዕሪግዎ‘ሎ።

እቲ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ደማስቆ ዝተፈፀመ ህልቂት ንመላእ ማእከላይ ምብራቅ ኣቆጢዑ‘ዩ።እንተኾነ ኣሜሪካ በይናዊ ወይ ብመልክዕ ሽርክነት መልሰ-ግብሪ ክንህበሉ ኢና ምባሎም‘ውን ማዕረ ማዕሪኡ ተነፂጉ‘ዩ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፣ስምዒት ፀረ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓየለሉ ወቅቲ፣ፖለቲካዊ ረስኒ በርቲዑወን‘ሎ።መርመርቲ ሕ/ሃ ነቲ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ መን‘ዩ ፈፂምዎ ንዝብል ሕቶ ቅድሚ መልሲ ምሃቦም ኣሜሪካ መጥቃዕቲ እንተፈፂማ፣ነቲ ዛጊድ ንሂሩ ዘሎ ስምዒት ፀረ ኣሜሪካ ዝያዳ ከጠናኽሮ‘ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገና፣ኣብ ሶርያ ክፍፀም ዝኽእል ወትሃደራዊ ጣልቃ ምትእትታው፣ነቲ ግጭት ዘጋድድ‘ምበር ሓጋዚ ኣይኸውንን ኢላ።

ፕረዚደንታ ሚ/ር ጃኮብ ዙማ”ነቶም ይሳቀዩ ዝፀንሑ ህዝቢን፣ነቲ ዛጊድ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርፂን ምድብዳብ ንነባራይ ሰላም ኣበርክቶ ክህልዎ‘ዩ ዝብል እምነት የብላን ደቡብ ኣፍሪቃ“ ኢሎም።

መርመርቲ ሕ/ሃ ነቲ ተጓንፎ ኣብ ምፅራይ ይርከቡ።ኣብ ውሽጢ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፀብፃብ ከቅርቡ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ኣብ ልዕሊ‘ዚ ምስሕሓብ‘ዚ ልዝብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንክጅምር ዝዓደመት እንግሊዝ ምኳና‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG