ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2015፡ ብብዝሒ ጋዜጠኛታት አብ ስራሕ ከለው ዝተቐትሉላ ዓመት ተባሂላ


ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል /CPJ/ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብዛዕባ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ዓመታዊ ጸብጻብ ኣውጺኡ’ሎ።

ብመሰረት’ዚ ጸብጻብ 2015 ዓ.ም.ፈ ጋዜጠኛታት ብበዝሒ ዝተቐትሉላ ከምዝኾነትን ካብቶም ዝሓለፉ ኣሰርተታት ዓመታት ሻድሻይቲ ካብ 1992 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ድማ ሻምነይቲ ዓመት ኮይና’ላ።ካብ 60 ንላዕሊ ካብዞም ጋዜጠኛታት ኣብ ስራሕ እናሃለው፣ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ዝተገብሩ፣ብበራሪ ጥይት ዝተቐትሉ፣ኣብ ሓደገኛታት ኩነታት እናሰርሑ እናሃለው ዝተቐትሉ እዮም።

ኣብ ኣፍሪካ ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተቐትሉ ሓሙሽተ ሓዊሱ 11 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣባላት ፓርላማ ኬንያ ጋዜጠኛታት ኣብ ጉዳያት ፓርላማ ንከይጽብጽቡ ዝእግድ ሕጊ ንምውጻእ ፈቲኖም ነይሮም።ተቓውሞ ስቪላዊ ማሕበራትን ትካላት መራኸቢ ብዙሓንን ምስ ሓየለ ግን እቲ ኣሰሓሓቢ ኣንቀጽ ካብቲ ሕጊ ወጺኡ።

ብመሰረት CPJ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ስራሕ እናሃለው ካብ ዝተቐትሉ 69 ጋዜጠኛታት መብዛሕቲኦም ብኣል-ቃይዳን ዳዕሽን ዝኣመሰሉ እስላማዊያን ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዝተቐትሉ እዮም።

ሶሪያ ንራብዓይ ግዜ ብሞት ጋዜጠኛታት ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።ኣብታ ሃገር አብዚ ዓመት ጥራይ 13 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለው።ኣብ 2012- 31 ጋዜጠኛታት፣ኣብ 2013-29 ፣ኣብ 2014 ድማ 17 ጋዜጠኛታት ኣብ ሶሪያ ተቐቲሎም እዮም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ መምህር ቤት ትምህርቲ ሕግን ዲፕሎማስን ዝኾኑ ፈሊክ ኦዲማሲ ጋዜጠኛታት ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ሱማሊያን ሰሜናዊ ናይጀሪያ ከምዝኣመሰሉ ግጭታት ኣብ ዝካየድሎም ከባቢታት ከይዶም ንክጽብጽቡ ደገፍ መንግስቲ ስለ ዘይረኸቡ ንምጽብጻብ ዓብዪ ጥንቃቐ ይገብሩ ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃንን ምስ ስርሖም ብዝተተሓሐዘ ተኣሲሮም ይርከቡ፤ወይ ኣብዘየለውሉ ተፈሪዱዎም ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ጋዜጠኛታት ዝተቐትሉለን ሃገራት ኣፍሪካ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማል፣ኬንያ፣ሊቢያን ጋናን ኮይኖም ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝተቐትሉላ ሃገር ድማ ኣብ ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ናይ ጎረቤት ሶማል ዝኾነት የመን እያ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

2015፡ ብብዝሒ ጋዜጠኛታት አብ ስራሕ ከለው ዝተቐትሉላ ዓመት ተባሂላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:40 0:00

XS
SM
MD
LG