ፕሬዝዳንት ሶሪያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ኩነታት ፀጥታ ሃገሮም ይማሓየሽ ከምዘሎ ምስ መንግስታዊ ቴለቪዥን ትማሊ ሰንበት ኣብዘካየድዎ ቃልመጠይቕ ገሊፆም።እቶም ፕሬዝዳት ምስ ተቓወምቲ ንምዝርራብን ኣገባብ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ምርጫን ንምትግባርን ቅሩብ ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውን ፀጥታውን ቅልውላው ኣላ፣ ተሃድሶ ወይ’ውን ምትዕርራይ ከምዝትገብር'ውን ኣፍሊጦም።እንኮ መፍትሒ ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ሓይልታት ተቓወምቲ ኣብ ፖለቲካዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ከምዝኾነ ከምዝርድኡ ብምግላፅ ናብኡ ንምብፃሕ ግና እቲ ዘይምርግጋእ ክሃድእ ኣለዎ ኢሎም።
መራሒ ሶሪያ ከምዝበልዎ ቅልውላው ፀጥታ ኣብዝራኣየሉ እዋን ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝበሃል ነገር የለን ይብሉ።